Quantcast
Channel: assenna – Assenna.com
Viewing all 7726 articles
Browse latest View live

ንነብስኻ ኣድሒንካ፡ ኣይትጉዳእ ሓውኻ

$
0
0

ኣብ መንእሰያት ሃገርና ዝበጽሕ ዘሎ መከራን ሽግርን መቸም ንኹሉ ሰብ ብሩህ ስለ ዝኾነ ምትንታኑ፡ ንቐባራይ ምርዳእ እዩ ዝኸውን። ሳዕቤኑን ጠንቁን ግና ሕብሩ እንዳቐያየረን እንዳበኣሰን እዩ ዝመጽእ ዘሎ። እቲ ገባቲ ስርዓት ከም ነፋሒቶ ዝቀያየር ሜላታት እንዳተጠቀመ ህዝቢ ከገርህን ክጭፍልቕን ይፍትን ኣሎ። መንእሰያትና ኸኣ ናይዚ እከይ ተግባር ግዳያት ኮይኖም ይቕጽሉ ምህላዎም ንኹሉ ሕልና ዝውንን ሰብ ዝስቆሮ ሓቂ ኢዩ።

ታሪኽ ናይ ሓደ ሓደ መንእሰያት ክትሰምዕ እንከለኻ ብፍላይ፡ ምፍጣርካን ንምንታይ ነዚ ኣሰቃቒ ታሪኽ ክትሰምዕ ከም ዝተፈረደካን’ውን የተሓሳስበካ። ሕሰቡ እሞ! … መብዛሕትኡ ሰብ ንኽሰምዖ ዘስካሕክሖ ጉዳይ እንተ ኾይኑ፡ እቲ ቀንዲ ግዳይ ናይዚ ጭካነ ዝኾነ መንእሰይ ደኣ እንታይ ይስምዖ ይኸውን? እወ ንኽትግምቶ የጸግም።

እዞም በዚ ጉዳይ ሓሊፎም፡ ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ዓለም ጸግዒ ረኺቦም ናብርኦም ክመርሑ ዝጀመሩ መንእሰያት፡ ዝሓለፍዎ መከራን ነቲ ናብኡ ንኽበጽሑ ዝደፋፍኦም ስርዓት ብኸመይ ክዝክርዎን ክብድህዎን ይግባእ ይመስለኩም᎒ ናይ መብዛሕትኡ ሰብ ግምት መቸም ካብቲ ናትና ግምት ይርሕቕ ይኸውን ኢልና ኣይንኣምንን። ከመይ’ሲ ካልኦት ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን በቲ ንሶም ዝሓለፍዎ መከራን ሽግርን ከይሓልፉ ምእንቲ ነቲ ጠንቂ ሽግር ዝኾነ ዓማጺ ስርዓት ንምሕምሻሽንን ዓቕሙ ንምድኻምን እጃሞም ከበርክቱ ይግባእ። ልክዕ እዩ፡ መብዛሕትኦም መንእሰያት ነቲ ስርዓት ንምእላይን ንምድኻምን እጃሞም የበርክቱ ኣለዉ። ካብቲ ዝገርም ነገር ግና ውሑዳት መንእሰያት፡ ስግረ ዶብ ክሓልፉ ነቲ ቶኲሱ ዝሰሓቶም፡ ነቲ ብጻዮም ኣብ ቅድሚ ዓይኖም ናብ በደዊን ዝሸጠሎምን ዝቐተለሎምን ስርዓት ክድግፉን መሳርሒ ክኾኑን ክትርኢ እንከለኻ ካብ ምግራምን ቁጥዐን ሓሊፍካ ብጥዕንኦም ትጠራጠር።

ቀንዲ መበገሲ እዛ ጽሕፍቲ፡ ኣብ ከባቢ ዋሽንግተን ዲሲ ዘሎ ኩነታት ገለ መንእሰያት ንምድህሳስን ናይዚ ጠላም ስርዓት መሳርሒን መጋበርያን ምዃኖም ንምቅላዕን እዩ። ጻዕረኛ ሰብ ይፍቶ፡ ሰሪሑ ክሓልፈሉ ክትርኢ እንከለኻ፡ ብሕልፊ ወዲ ሃገርካ ክኸውን እንከሎ ዝፈጥረልካ ባህታ ፍሉጥ እዩ። ነቲ ብሓገዝ ህግደፍን መሰልቱን ብስዉር ተኣሊሙን ተመዊሉን ዝግበር ንግዲ ግና ካብ ምቅልዑ ዓዲ ኣይንውዕልን። ብንብዓትን ደምን መንእሰያት ዝጥረን ንመሳርሒ ዓማጺ ስርዓት ዝውዕል ዘበለ ንብረትን ኩሉ ሰብ ፈሊጡዎም፡ ነቶም ነዚ ተግባር ዝፍጽሙ መንእሰያት ከኣ ሰብ ኣለልዩ ክመኽሮምን ካብኡ ሓሊፉ ደው ከብሎምን ይግባእ።

እዞም ትማሊ በቲ ስርዓት ዝጭፍጨፉ ዝነበሩ: ብዝተፈላለየ መንገድታት ካብቲ ስርዓት ኣምሊጦም ኣብ ወጻኢ ሃገራት ኮይኖም ነቲ ኣረሜን ስርዓት ዘገልግሉ ዘለዉ ሰብ ትካል ይኹኑ ውልቀ ሰባት: ነቲ እከይ ተግባሮም ደው ንኸብሉ ንጽውዕ። ካብ ዓይኒ ህዝቢ ክሕባእ ዝኽእል ከቶ ስለ ዘየለ፡ ከም ኣብነት ንምጥቃስ እዞም ኣብዚ ሰዕሊ ትርይዎም ዘለኩም ወይጦታት ገለ ካብቶም ቀንዲ ኣገልገልቲ ህግደፍ ዝኾኑ’ሞ ኣብ ከባቢ ዋሺንግቶን ዲሲ ዝቕመጡ ሰባት እዮም። በዞም ኣለምቲ እከይ ህዝቢ ከይደናገር ድማ ነተሓሳስብ። እቲ ዝገርም ገሊኦም ትማሊ ካብ ኤርትራ ሃዲሞም ኣብ አሜሪካ ናይ ፖለቲካ ዑቕባ ብምሕታት : ማለት : ኣብ ኤርትራ ከምዝታኣስሩን  ከምዝተቀጥቀጡን ቃሎም ብምሃብ ወረቀቶም ዝረከቡ ክንሶም: ሕጂ ኣብቲ መጋበርያ ናይ ስርዓት ህግድፍ ዝኮነ  (YPFDJ) ቀንዲ ኣሳሰይቲን ተለኣክትን ብምዃን ስቃይ ህዝብና ንምንዋሕን ዕድመ ስልጣን ናይዚ ፋሺስታዊ ስርዓት ንምንዋሕን ላዕልን ታሕትን ካብቶም ዝብሉ እዮም። ገለ ካብ ተሓጋገዝቲ ናይ ደለይቲ ለውጢ ኣብ ሓደ ምስጢራዊ ኣኼባ ተረኺቦም ዝወሰድዎ ናይ ስእሊ መርትዖ ተመልከቱ:: ብፍላይ ኣብ ዋሺንግቶን ዲሲ ወናኒ  ቤት መግቢ ኣምባሳደር ዝኾነ ዮናታን ዝባሃል ሰብ ቀንዲ መሳርሒ ናይ ህግደፍ ምኻኑ ኣብ ዝተፈላለየ ግዜ ሓበሬታ ይበጽሓና እኴ አንተነበረ: ስጋብ ሕጂ መረጋግጽ ስለዘይረከብና ኣብ ህዝቢ ክነቃልሖ ኣይደለናን ነይርና:: ሕጂ ግን ምስ ስእሎም እንሆ እዚኦም አዮም ምስቲ ደመኛና ኮይኖም ንህዝቢ ደም ዘንብዑ ዘለዉ:: ሽሞም ከምዚ ዝስእብ እዩ – ብርሃነ: ታደሰ: ዮናታን: ሞኮነን: ከምኡ ውን ምኪኤል ኢዮም።

አዞም ደመኛ ጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራ ፍርዶም ዝረኽቡሉ እዋን ሩሕቕ ኣይኮነን!!

ዓወት ንሕዝቢ ኤርትራ!!

ምክትታል ዋሽንግቶን ዲሲን ከባቢኣን

 


መግለጺ ባይቶ ስምረት ኤርትራውያን መንእሰያት ንድሕነት ሃገር

$
0
0

ባይቶ ስምረት ኣብዘን ዝመጻ ዘለዋ ምዓልታት ካብ ዕለት  16/02/2013 ዝጅምር ናይ ሽዱሽተ ወርሒ ኣኼባ ከካይድ መዲቡ ኣሎ። ኣብዚ ኣኼባ እዚ ባይቶ ብዛዕባ ህልው ኩነታት ማሕበርናን ሃገርናን ዓቢ ኣቃልቦ ሂቡ ክዝቲ እዩ። ንውጽኢቱ ብዝምልከት ኣብ መርበባት ሓበሬታ ክንዝርገሖ ምዃና በዚ ኣጋጣሚ ነፍልጥ።

                                                     ባይቶ ስኤመድሃ

                                                     ዕለት 13/02/2012

Assenna Audio: Dictator Isaias Talks About the 21st Jan, 2013, Forto Operation/ምስኪናይ ኢሳይያስ ነዚ ጽውጽዋይ ‘ዚ ክለማመድ እዩ ሰለስተ ሰሙን ወሲዱሉ?

$
0
0


ምስኪናይ ኢሳይያስ ነዚ ጽውጽዋይ ‘ዚ ክለማመድ እዩ ሰለስተ ሰሙን ወሲዱሉ?

ውልቀምልካዊ መራሒ ህግደፍ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ነቲ ብራዕዲ ውሒጡዎ ዘሎ፡ ብ21 ጥሪ 2013 ኣብ ሕምብርቲ ከተማ ኣስመራ፡ ፎርቶ፡ ዝተኻየደ ምንቅስቓስ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ (ስርሒት ፎርቶ) ብዝምልከት ምስ ኤሪ-ቲቢ፡ ሎሚ 14 ለካቲት፡ ቅድሚ ፍርቂ ሰዓት ቃለመጠይቕ ኣካይዱ ‘ሎ።

እቲ ፍልሖ ብኸብዱ ጀሚሩዎ፡ ዕለተ ውድቀቱ ምጽብጻብ ጀሚሩ ዘሎ ፍንፉን መላኺ፡ ካብቲ ራዕድን ሃለውሳን ኣንገብጊቡዎ፡ ንልዕሊ ሰለስተ ሰሙን ሃጢሙሉ ዝነበረ መሓብኦ ውጥም ቅልቅል እናበለ፡ ስርሒት ፎርቶ ኣብ ቍጽጽር ምውዓሉን ዘይምውዓሉን ከጣልል ኳ እንተጸንሐ፡ ስርሒት ፎርቶ ካብ ዘውረደሉ ሓደጋ ንላዕሊ ፈጢሩዎ ዘሎ ናህሪ መሊሱ ናብ ዝያዳ ሻቕሎትን ስግኣትን ስለዘውደቖ፡ መጻንሒ ዕድመ ንምልቃብ ዝተረፈቶ እንኮ ምርጫ ነቲ ኩነታት ምቅላል ጥራይ ስለዝኾነት፡ እንተተመሰለሉ፡ ነቲ ብጀጋኑ ኣዘዝትን ኣባላትን ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ዝተኻየደ ስርሒት ከነኣእስ ፈቲኑ።

መቸም ኢሳይያስ፡ በዚ ከይፈተወ፡ ተገዲዱ ዝገበሮ ቃለመጠየቕ፡ ነቲ ፍጻሜ ‘ትሕቲ ዜሮ’ ከምዝነበረ ንምምሳል፡ ንኣኼባ ካቢነ ክገብር ምስ ከደ ንእግረመንገዱ ከምዝለከሞ፡ ቁጽርን ኣስማትን ካብ ምጥቃስ ተጠንቂቑ፡ ነቲ መጀመርያ ናይ መወዳእትኡ ከምዝኣኸለ ደወል ዘስመዖ ምንቅስቓስ፡ ሓንሳብ ‘ድራማ’ ሓንሳብ ‘ጽውጽዋይ’ ክቕይሮ ዝከኣሎ ገይሩ። እንተኾነ፡ ካብቲ ሰብ ዝግብምቶን ዝፈርሖን ዝነበረ ንላዕሊ ኣዝዩ ደኺሙ ከምዘሎ እዩ መሊሱ ነብሱ ኣቃሊዑ። ዋላ ድሕሪ ሰለስተ ሰሙን ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ ብዙሕ ዝፈለጦ ነገር ከምዘየልቦ ክሓብእ ኣይከኣለን። “ሓሶቶም ከም ሓሩጭ ክፈኵስ ዕድል ክንህቦም ኢና ኣጽቂጥና ቀኒና” ዶ ‘ሉ ኢሳይያስ ሓቀይ? ንሕና ድማ፡ ንሱ ኪዛረብ መደርኡ ክፈኵስ ዕድል ኪንህቦ ተቖጢብና ኢና ጸኒሕና እምበር ኣይደቀስናን። ህዝብና ታሪኹን መኻልፉን ፈሊጡ ንናይ መወዳእታ ቅላዕ ኢሳይያስ ዘየዳግም ክገብሮ ብዝግባእ ኪዳሎ መታን፡ እቲ ኩነታት ከመይ ከምዝነበረ ብዝርዝር ክንሕብሮ መጽናዕቲ ክንገብር ኢና ቀኒና። ኢሳይያስ ሎሚ ካብ ተዛረበ ኸኣ፡ ሎሚ ምሸት፡ (14 ለካቲት) ብዝርዝር ከነቕርበልኩም ኢና። ንግዚኡ ግን፡ በቲ ኢሳይያስ፡ ኣብ ኣባ ሻውል ኮይኑ ዝሃቦ ዕዋላዊ መልስታት ተዘናግዑ። ኢሳይያስ መሂተኖ፡ “ሓሩጭ ይፈኵስ ‘ዩ” ዶ ‘ሉ? ‘ታይ ደኣ ‘ሞ ኽብል፡ ተዘናቢሉዎ ዶ ኣይኮነን። ሓሩጭ ማይ እንተኣትዩዎ ከምዝረዝን ከ ይስወጦ ደኾን ይኸውን?

ኢሰያስ ኣብ ሰለስተ ግንባራት ተሳዒሩ።

$
0
0

ኢሰያስ ኣፍወርቂ ነቲ ብ21 ጥሪ 2013 ኣብ ፎርቶ ዝተፈጸመ ስርሒት ኣመልኪቱ ኣብ ተለቪዥን ኤርትራ ክዛረብ ምስ ሰማዕኩዎ፡ ሓርበኛ ተጋዳላይ ተስፋይ ተምነዎ ንኢሰያስን ሓበሬታን ኣመልኪቱ ዝሃቦ ቃለ ምስክርነት ተዘኪሩኒ። እቲ ሓርበኛ ምስ ሬድዮ ወጋሕታ ኣብ ዘካየዶ ቃለ መጠይቕ፡ ኢሰያስ ካብ መጀመርያ 70ታት ኣትሒዙ ንሓበሬታ ብኸመይ ኣብ ውልቃዊ ረብሓኡ የውዕሎ ምንባሩ ክገልጽ እንከሎ፡  “ኢሰያስ ንኹሉ ነገር ዝተዓወተሉ ዘድልዮ ሓበሬታ ኣብ ዘድልዮ ሰዓት ክረክብ ምኽኣሉ ኢዩ። ንሱ ንዘይደልዮም ሰባት ካብ ሓበሬታ ምኹናን ከኣ ኣብ ኢዱ ኢዩ ነይሩ” ኢዩ ዝበለ።

ኣብ’ዚ ሓጺር ናይ 14 ለካቲት 2013 ቃለ መጠይቕ’ውን ኢሰያስ፡ “ሚድያን ዲስኢንፎርመሽንን ኣብ  ኩሉ ተዘርጊሑሉ ኣብ ዘሎ እዋን” እናበለ፡ ንኤርትራውያንን ኤርትራን ዝምልከቱ ሓበሬታታት ካብ ቁጽጽሩ ወጻኢ ብዝኾነ መንገዲ ክዝርግሑን ክርከቡን ምኽኣሎም ክሳብ ክንደይ ከምዘቖጠዖ ዘየረዳኣና ኣይኮነን። ንእግሪ መንገዱ ድማ መራሒ ስርዓት ህግደፍ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ከምጸላኢኡ ከም ዝርእዮ ኣረጋጊጹልና። ኢሰያስ ሓበሬታ ምርካብን ምሃብን ከም መሰልን ግቡእን ዘይኮነ፡ ከም መፋተውን መጻልኢን ጥራሕ ስለዝወስዶ፡ በዚ ናይ ሓበሬታ ዘመን ዝቑጣዓሉ ዘሎ ምኽንያት እቲ ቀንዲ መሳርሒኡ ዝኾነ ሓበሬታ ካብ ኢዱ ስለዝመለቖ ኢዩ። ምስጢራውነት ስርዓቱ ንጎኒ ገዲፍና፡ደለይቲ ፍትሒ ኣድላይነት ሓበሬታ ስለዝግንዘቡዎን ሓበሬታ ምርካብን ምዝርጋሕን ሕቶ መሰል ምዃኑ ስለዝርድኡን፡ ዝረኸቡዎ ሓበሬታ ናብ ህዝቢ ከብጽሑዎ ምጉያዮም፡ ንኢሰያስ ሕማም ዓሶ ርእሱ ዘዘኻኽሮ ጉዳይ ምዃኑ ክንዝንግዖ ኣይግባእን።

ኣብ’ቲ ንሱ ኣብ ማይ ከምዝኣተወት ኣንጭዋ ድምጹ ኣጥፊኡሉ ዝነበረ፡ ኣብ መንጎ 21 ጥርን 14 ለካቲትን ዝነበረ ናይ ሰለስተ ሰሙን ግዜ፡ መርበባት ሓበሬታ ደለይቲ ለውጢ ብመንገዲ ምንጭታተን ኣቢለን፡ ምዕባለታት ስርሒት ፎርቶ ተኸታቲለን ንኤርትራውያን ሓበሬታ ኣብ ምስናቕ ተጸሚደን ነይረን። ካብ ውሽጢ ሃገር ዝረኸበኦ ሓበሬታት ይኹን ካብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ዝተቓለሐ ድምጺ ደገፍ ንኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ሓድነትን እምቢታ ንውልቀ ምልክን ብምዝርጋሕ፡  ከም ወትሩ ኣብ ጎድኒ ዉጹዕ ህዝበን ደው ምባል ቀጺለን።

እዚ ከም’ዚ ኢሉ እናሃለወ፡ ኢሰያስ ድኣ’ዩ ህጣሙ ኣጥፊኡ ነይሩ’ምበር፡ ብመንገዲ ከም በዓል ግርማ ኣስመሮም ዝኣመሰሉ ድንኪታት ልኡኻቱ ኣቢሉስ ዝተፈላለየ ዓይነት ቅድታትን ዓቐንን ዘለዎም ኣልባሳት ክልክዕ ዘይተራእየ ኣይነበረን። ብዕለት 14 ለካቲት 2013 ከኣ እቲ ዕሉል ውልቀ ምልካዊ መራሒ ኣብ ተለቪዥን ኤርትራ ቀሪቡ፡ ሓደ ኣሰልካዪ ምርኢት ቅዲ-ክዳን ኣቕሪቡልና። ንሱ ኣብ’ቲ ምርኢት ቅዲ-ክዳን ነቲ መደብ ከዳሉ ነዊሕ እዋን ከምዝሓተቶ፡ ኩሉ ዘድልዮ መማላኽዒ ከየማልአ ክርኣየና ድማ ግቡእ ከምዘይነበረ ኢዩ ደጋጊሙ ከረዳኣና ፈቲኑ። ብቓላቱ “እቲ ኩነታት ከይፈለጥካ ትርጓመታት ክትህብ ኣይክኣልን ኢዩ”።

ከምኡ እንተኾይኑ ድኣ’ሞ ዝተፈላለዩ ካብ ሃገር ወጻኢ ዝርከቡ ልኡኻቱ፡ ብኸመይ መንገዲ ኢዮም ንስርሒት 21 ጥሪ እስላማዊ ባእታ ዝነበሮ ምንዕዓብ ናብ ዘምስሎ መደምደምታ ክበጽሑ ዝኽኣሉ?

ብመጀመርያ ኣብ መንጎ ሰበ-ስልጣን ስርዓት ህግደፍ ምውቓዕ ሓበሬታ ብዙሕ ግዜ ከምዘጋጥም ምዝካር የድሊ። ንኣብነት ሃገራውያን ጋንታታት ኤርትራ ኩዕሶ እግሪ ኣብ ዝተፈላለየ እዋና ንውድድራት ድሕሪ ምጋሸን፡ ፖለቲካዊ ዑቕባ ምስ ሓተታ ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሕታት ኮይኖም ነቲ ስርዓት ዘገልግሉ ሰበ-ስልጣን ነንሕድሕዱ ዝጋራጮ ሓበሬታት ክዝርግሑ ዝተራእዩሉ ኣገጣሚታት ብዙሕ ኢዩ። ስለ’ዚ ኢሰያስን ልኡኻትን እዚ ጸገም ኣጋጢሙዎም ክኸውን ይኽእል።

እዚ እንተዘይኮይኑ ግን ምናልባት ኢሰያስ ልኡኻት ከምዘለዉዎ ረሲዑ፡ ሓበሬታ ከይሃቦም ጸኒሑ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ካልእ ምኽንያት፡ ንዓኣቶም’ውን ከም ህዝቢ ኤርትራ ምስ ጸላእቱ መዲቡ ሓበሬታ ኮኒኑዎም ይኸውን። ብዘይካ’ዚ እቲ ቀላይ ክሳብ ክንደይ ዝሑል ወይ ምዉቕ ምዃኑ ክፍቱኑሉ፡ ደፊኡ ናብ’ቲ ቀላይ የእትዩዎም ክኸውን’ውን ዘይክእል ኣይኮነንስ ኢሰያ። ኣብ’ዚ እቲ ናብ ልክዕ ዝቐረበ ምኽንያት፡  ኢሰያስ ፈጺሙ ስለዝሓርበቶ፡እቲ ንልኡኻቱ ከመሓላልፉዎ ዝነገሮም ሓበሬታት ዝረኽቦ ግብረ መልሲ መዚኑ፡ ኣብ ተለቪዥን ቀሪቡ ብዛዕባ ዘስምዖ ዘረባ ቅድመ-ምድላው ኣብ ምግባር ከኽእሎ ዝተሃንደሰ ምንባሩ ዝግምቱ ወገናት’ውን ኣለዉ።

ኢሰያስ ልኡኻቱ ነቲ በቶም፡ “ቅዋም ክትግበርን እሱራት ፖለቲካን ስግረ ዶብን ክፍትሑን” ዘስምዕ መግለጺ ከምዝቃላሕ ዝገበሩ ተባዓት ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ዝተኻየደ ስርሒት፡ እስላማዊ ኣጀንዳ ከምዘለዎ ኣምሲሎም ዝዘርግሑዎ ሓበሬታ ንህዝብና ኣስሚሩ፡ ንዓኣቶም ተመሊሱ ርእሶም ክሰብሮም ምስ ርኣየ፡ ኣብ ልዕሊ ዘላታ ተወሰኸታ መሊሱ ክድሃል ባህርያዊ ኢዩ። ምኽንያቱ ሓበሬታ ከም ቀንዲ መሳርሒኡ ኣብ ኢድ ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ርእሲ ምውዳቑ፡ ድሒሩ’ውን እቲ ፈላሊኻ ግዛእ ዝብል ን40 ዓመታት ንህዝብና ዝገዝኣሉ ርኹስ ሜላ ህዝብና ስለዝንቕሓሉ፡ካብ ጥቕሚ ወጻኢ ኮይኑ ተሪፉ።

በዚ ኢሰያስ ኣብ ክልተ ወሰንቲ ግንባራት ተሳዒሩ።  እቶም ተባዓት ሓርበኛታት ኣብ ሕምብርቲ ኣስመራ “እምቢ ንምልኪ” ክብሉ ኣብ ፎርቶ ብተግባር ብዘስምዑዎ  ድምጺ፡ ኢሰያስ ክብዳህ ከምዝኽእልን፡ ህዝብን ሓይልታት ምክልኻሉን ኣንጻር ውልቀ ምልኪ ኣብ ሓደ ግንባር ዓሪዶም ምህላዎም ክስቆሮ ስለዝገበሩ ግን፡ ቀዳማይን ቀንድን ስዕረቱ ስርሒት ፎርቶ 21 ጥሪ 2013 ኢዩ። ብዘይካ’ዚ እቲ ስርሒት ኣብ’ተን ክልተ ኣቐዲመን ዝተጠቕሳ ግንባራት ዘጋጠሞ ፍሽለት ጎሊሑ ከምዝንጸባረቕ ስለዝገበረ’ውን፡  ምረት’ቲ ስዕረት ምጽዋር ክስእኖ ናይ ግድን ኢዩ።

ብዝኾነ ኢሰያስ ኣብ 14 ለካቲት ነቲ ብተለቪዥን ኤርትራ፡ ኣብ’ታ ታሪኻዊት ዕለት (21 ጥሪ) ዝተቓለሐ፡ ንትግባረ ቅዋምን ምፍታሕ እሱራት ፖለቲካን ዝምልከት መግለጺ ከልዕሎ ዝተጸበዮ’ውን ኣይነበረን። ንሱን ሚኒስተራት ስርዓቱን ኩሎም ኣብ’ቲ ቦታ ከምዝነበሩ፡ ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ ብሓባር ከምዝመኸሩን ክዛረብ ክትሰምዖ እንከለኻ ግን፡ልክዕ ከም’ዚ ሓደ መስሓቕ ዘረባ ዝተዛረበ ክርትም ኢልካ ስሓቕ ኢዩ ዝመጽኣካ። ካብ መዓስ ድኣ’ዩ ንሚኒስተራት ከም መዛኑኡ ብሓባር ምስኣቶም ክመክር ጀሚሩ ኢልካ ክትሓስብ ባህርያዊ ኢዩ። ኮን ዶ ኾን እታ ጉዳይ እንተጸንከረት፡ ከም ኣብ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝገበሮ፡ “ንዑ ድኣ በጃኹም በይነይ ኣይትግደፉኒ” ኢሉ ብእጅጎኦም ሒዙ ክልምኖም ሓሳብ ነይሩዎ ኮይኑ? ኢሰያል ልክዕ ከም ኩሎም ቅድሚኡ’ውን ኣብ’ዛ ዓለም ዝተራእዩ ውልቀ-መለኽቲ፡ “ስልጣን ንበይነይ ምማት ምስ ሰበይ” ዝብል ኣካይዳ ክኽተል ናይ ግድን ኢዩ። ምኽንያቱ እታ ናይ ኩሎም መጽሓፍ ሓንቲ ኢያ። ስልጣን ክሕዙን ስልጣን ክዕቅቡን ህይወት ክንደይ ሚልዮናት ሰባት ከምዘየጥፍኡ፡ኣብ መወዳእታ ነታ ሓንቲ ህይወቶም ከድሕኑ ብድሕሪ ደቆም ክሕቡኡ ኢዮም ዝርኣዩ። ኢሰያስ ካብኣቶም ዝፍለየሉ ምኽንያት የለን። ካብ ኩሎም እቲ ዝሓሰመ ብምዃኑ እንተዘይተፈልዩ ማለት ኢዩ።

እምበኣር ኢሰያስ ኣብ 14 ለካቲት 2013 ከምኡ ኢሉ ኣብ ተለቪዥን ቀሪቡ ክዛረብ ክትሰምዖ እንከለኻ፡  ልክዕ ከም ኩሉ ካልእ ግዜ ቃለ መጠይቕ ክገብር እንከሎ፡  ብዛዕባ እንታይ ኢዩ ዝዛረብ ዘሎ ኢልካ ትሓተሉ እዋናት ነይሩ። ቅኑዕ ሕቶታት’ውን ኣይተሓተን’ሞ፡ ግን እቲ ዝድርብዮ ዝነበረ ቃላት ፈጺሙ ትርጉም ዝህብ ኣይነበረን። ኢሰያስ ድሕሪ ሰለስተ ሰሙን ኣብ ተለቪዥን ቀሪቡ እንክዛረብ፡ ንስለ ምዝራብ ኢሉ ዝዛረብ ዝነበረ፡ መልኣኹ ዝሃደመ ሰብ ኢዩ ነይሩ። ዘይስምዖ ሓይሊ ከርኢ ህርድግ ዝብል፡ ዝተደናገረ ሰብ ምንባሩ’ውን ካብ’ቲ ቃለ መጠይቕ ምርዳእ ይክኣል ነይሩ ኢዩ።

ሓቂ ኢዩ ኢሰያስ፡ ነቲ ኩነታት ከነኣእስ ኩሉ ዝክኣሎ ክገብር ፈቲኑ ኢዩ። ይኹን’ምበር ኣይተዓወተን። ምኽንያቱ ንሱ ንባዕሉ’ውን ነቲ ብመልሓሱ ዝዛረቦ ዝነበረ ከይኣመኖ ኢዩ ተሪፉ። ህዝቢ ኤርትራ ድማ፡ ምሩጻት ንነጻነቱ ዝተላዕሉ ጀጋኑ ከፊሉ፡  ብግደኡ ንኢሰያስ ኣብ መዳይ ሓበሬታን፡ ምፍሻል ፈላሊኻ ግዛእን ረቲዑ ኣምበርኪኹዎ ኣሎ። እዚ ምሉእ ዓወት ዝኸውን ግን፡ እቲ ቃልሲ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ንህጹጽነት ድሕነት ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ኣብ ግምት ብዘእቱ መንገዲ  ናህሪ ውሲኹ፡ ኣብ ምዕራፉ ብምብጻሕ ሕድሪ ሰማእታት ምስ ዝትግብር ጥራሕ ኢዩ።

ኦሮራ ብሩኽ

ጸብጻብ ሓቅታት “ስርሒት ፎርቶ” 21 ጥሪ 2013

$
0
0

ሓበሬታ ዘይሰነቐ ህዝቢ ውሕስነቱን ቀጻልነት ወለዶታቱን ዘረጋግጹ እዋናዊ ውሳኔታት ክወስድ ኣይክእልን እዩ። ሓደ ካብቶም ቀንዲ ንህዝቢ ኤርትራ ንተደጋጋሚ ግዜ ኣብ ሓደጋ ዘውደቑዎ ኣበራት ድማ ስእነትን ጉድለትን ሓበሬታ ምስናይ ምዝንባዕ ሓበሬታ ንፕሮፖጋንዳ እዩ። በዚ ምኽንያት ህዝቢ ኤርትራ ከቢድ ዋጋ ህይወትን ግዜን ከፊሉ እዩ። ኣሰናን ካላኦት ማዕከናት ዜናታት ኤርትራን፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ካብዚ ደልሃመት’ዚ ሓራ ክወጽእ ግቡእ ተራኦም ከነበርክቱ ድማ ሞያዊ ሓላፍነት ኣለዎም። እዚ ዕማም’ዚ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ክሰላሰል መልክዕን ኣድማዕነትን ኳ እንተነበሮ፡ ብሰንኪ ባህርያት ውልቀምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፡ ንቡር ክንሱ ዘይከኣል ኮይኑ ይርከብ። ስለዚ፡ እቶም ኣብ ስደት እንርከብ ኤርትራውያን፡ ነቲ ዘለና ብልጫ-ሓርነት ምጽሓፍን ተጠቃምነት ቴክኖሎጅን ምስቶም ኣብ ውሽጢ ዝርከቡ ናይ ለውጢ ብጾት ተኣሳሲርና፡ ምስናይ ብድሆታቱ፡ ነዚ ናይ ድሕነት ዕማም ከነሰላስሎ ሕድሪ ‘ለና።

እዚ ብ21 ጥሪ 2013 ኣብ ፎርቶ ብሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ዝተፈጸመ ታሪኻዊ ስርሒት ለውጢ፡ ኣብቲ ዝተፈጸመሉ ኣጋጣሚ ከም ዜና ንህዝቢ ካብ ምሕባር ሓሊፍና፡ ኣበጋግሳኡ፡ ኣካይዳኡን ዘጋጠሞ ዕንቅፋትን ብዝምልከት ህዝቢ ኤርትራን ሓይልታት ምክልኻሉን ክመሃረሉን ክምኮረሉን መታን ዳህሳስ ከነካይድ ጸኒሕና ኢና።

ኢሳይያስ ኣብ’ዚ ሎሚ 14 ለካቲት (ድሕሪ 25 መዓልታት ናይቲ ፍጻሜ) ዝገበሮ ቃለ- መጠየቕ፡ ነቲ ጉዳይ ከነኣእሶን ከቃልሎን ኳ ዝከኣሎ እንተገበረ፡ ሽዑ ንሱ ኣብ ግቢ ተሓቢኡ እዝግዮ እናበለ፡ ኣብ ቅድሚ ወዲ ዓልን ብጾቱን ብስም ስዉኣት እናመሓሉ ዝልምኑሉ ዕሱባት እናበራረየ ክልእኽ ከምዝወዓለ እዩ እዚ ሓበሬታ ዘረድእ። እቲ ረኺብናዮ ዘለና ጸብጻብ ናይቲ ኩነታት ከምዚ ዝስዕብ እዩ። ነቲ ካብ ኤርትራ ዝበጽሓና ጸብጻብ ገለገለ ኣስማት ዓቂብና፡ ብጸብጻባዊ መልክዑ ከምዘለዎ ነቕርበልኩም። ተወሳኺ ምዕባሌታት ምስ ዝርከብ ድማ ነዚ ሰነድ ‘ዚ ከነማዕብሎ (Update) ክንገብሮ ኢና።

ምንቅስቓስ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ንለውጢ (ስርሒት ፎርቶ 21 ጥሪ 2013)

ኣበጋግሳን ኣመዓባብላን ትግባረን

እቲ ኣብ ፎርቶ ብ ሰኑይ 21 ጥሪ 2013 ዝተኸስተ ምንቅስቓስ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ (ስርሒት ፎርቶ) ቅድሚ 4 ኣዋርሕ ኣቢሉ ዝተሓስበ እዩ። ትግባሪኡ መዓልቲ ጥራይ እዩ ዝጽበ ነይሩ። ኣብ መንጎ ግን ኢሳይያስ ሓበሬታ ይረክብ፡ ብዓል መን ከምዘምለቑሉ ግን ኣይተፈልጠን። ቅድሚ ሳልስቲ ናይቲ ፍጻሜ (ዓርቢ)፡ ኢሳይያስ ዝመርሖ ኣኼባ ኣመሓደርቲ ዞባታት ኣብ ኣስመራ ተኻይዱ። እቲ ኣኼባ ስለዘይተወደአ፡ ኢሳይያስ ንኣማሓደርቲ ዞባታት፡ ኣብቲ ኣብ ሚኒስትሪ ዜና ዝርከብ፡ ‘ሃገር ሚድያ’ ተባሂሉ ዝፍለጥ ኣዳራሽ ሰኑይ (21 ጥሪ) ሰዓት 9፡00 ክቕጽሉዎ ምዃኖም ሓቢሩዎም፡ ይፈላለዩ።

ኣማሓዳሪ ዞባ ደቡብ፡ ኣቶ ምስጦፋ ኑርሕሸን ንወዲ ዓሊን ብጾቱን፡ ብዛዕባ’ቲ ብኢሳይያስ ዝምራሕ ኣብ ‘ሃገር ሚድያ’ (ፎርቶ) ዝተገብረ ቆጸራ ኣኼባ ኣመሓደርቲ ይሕብሮም። እቲ ስርሒት ኣብኡ ክፍጸም ድማ ይሰማምዑ።

ብዛዕባ’ቲ ክፍጸም ተዋዲዱ ዝነበረ ስርሒት ድንጕይ ኢሎም ዝፈለጡ ገለ ካብ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት፡ “ኢሳይያስ ደኣ ካብ መዓስ ቦታ ኣኼባን ሰዓትን ኣቐዲሙ ይሕበር” ኢሎም፡ እቲ መደብ ብኢሳይያስ ተፈሊጡ ከምዘሎ ምጥርጣሮም ይገልጹ። እቲ መደብ ደው ክብል ‘ውን ይነግሩዎም። እተን ሰንበት ለይቲ ዝተንቀሳቐሳ ታንክታትን ረሻሽ ዝጸዓና መካይንን ጉዕዞአን ኣፋሪቐናኦ፡ እቲ ስርሒት ድሮ ተበጊሱ ስለዝነበረ ግን፡ ካብ ምቕልባሱ ምቕጻሉ ተመርጸ።

መበገሲ ካብ ከባቢ ጸሮና ኮይኑ፡ እቶም ኣብቲ ስርሒት ዝተሳተፉ ኣሃዱታት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ብለይቲ 12 ታንክታት ሒዞም ተበጊሶም ከባቢ ወጋሕታ ኣብ ደቀምሓረ በጺሖም። ነዳዲ ክመልኡ ብወልዱ ባርያ ንዝእዘዝ ክፍሊ ነዳዲ ምስ ሓተቱ፡ ኣብኡ ዝነበረ ሓላፊ ነዳዲ ምምላእ ስለዝኸልኦም ብሓይሊ ነዳዲ መሊኦም ናብ ኣስመራ ኣምሪሖም። ካብ ደቀምሓረ ምስ ወጽኡ፡ ሓንቲ ታንክ ተበላሽያቶም ንዓኣ ገዲፎም ጉዕዞኦም ቀጺሎም። ኣብ ከባቢ መርሓኖ፡ 3 ታንክታት ናብ ኤርፖርትን ሓይሊ ኣየርን ኣቕኒዖመን። ዝተረፋ ታንክታት ሒዞም 10፡15 ንጉሆ ውሽጢ ኣስመራ በጽሑ።

ንሳቶም ካብ ጸሮና ክብገሱ ከለዉ ካልኦት ሓይልታት ብወገን ብሎኮ ከረን፡ ከምኡ ‘ውን ካብ ከባቢ ነፋሲት ዝተበገሱ ብብሎኮ ባጽዕ ናብ ኣስመራ ብምእታው ኣገዳሲ ቦታታት ክሕዙ ዝግብኦም ዝነበሩ ኣጋር ሰራዊትን ናይ ከቢድ ብረት ኣሃዱታትን ክሳብ ሕጂ ብዘይተፈልጠ ምኽንያት፡ ኣብ ዘለዉዎ ደው ኢሎም፡ ኣብቲ እዋን’ቲ ኣይተንቀሳቐሱን።

እዞም ብሸነኽ ጾሮና ዝተበገሱ ሓላፊ ክፍለሰራዊት ብሪጋደር ጀነራል ሳልሕ ዑስማንን፡ ሓለቓ ስታፍ መካናይዝድ ኮለኔል ስዒድ ዓሊ ሕጃይን (ወዲ ዓሊ) ከምኡ ‘ውን ኮለኔል ኣለም (ግዝዋ) ኣብርሃም (ገላዋን) ዝርከቡዎም ኣብ ደቀምሓረ ምስ በጽሑ፡ ከምዝተጠልሙ ኳ እንተፈለጡ፡ ንድሕሪት ክምለሱሉ ዝኽእሉ ኩነታት ስለዘይነበረ ብዝቐልጠፈ ከምዚ ልዕል ኢሉ ዝተጠቕሰ ናብ ሚኒስትሪ ዜና (ፎርቶ) ኣትዮም።

ኣብዚ ሰዓት’ዚ፡ ህዝቢ ኣስመራ ድሕሪ ውድቀት ደርግ ታንክታት ብጽርግያ ክኸዳ ንመጀርያ ስለዘይረኣየ ኩነታቱ ደንጽዩዎ፡ ገለ ነገር ከምዘሎ ስለዝፈለጠ፡ ብሞባይል እናተደዋወለ ሓበሬታ ክለዋወጥ ጀሚሩ።

ሰዓት 10፡30 ኣቢሉ፡ እቶም ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ነቲ ኣብ ፎርቶ ዝመደበሩ ሚኒስትሪ ዜና ተቖጻጺሮሞ፡ ንሓጺር እዋን ንግዝያዊ ሓላፊ ቴለቪዥን ኤርትራ ኣሽመላሽ ኣብርሃ፡ ብዛዕባ ዘለዎም ፖለቲካዊ ጠለባት ኣብ ቴለቪዥን ክዛረብ ኣገዲዶሞ። ትግባረ ሃገራዊ ቅዋም፡ ምፍታሕ እሱራት ዝርከቦ ጠለባቶም ብኸፊል ተመሓላሊፉ፡ ህዝቢ ሰሚዑዎ። እንተኾነ ሓደገኛነት ናይቲ ኩነታት ዝፈለጡ ኢሳይያስን ሰዓብቱን፡ መልእኽቶም ምሉእ ብምሉእ ከይተሓላለፈ ተክኒካዊ ብልሓት ተጠቒሞም፡ እቲ መልእኽቲ ብምሉኡ ከምዘይተሓላለፍ ገይሮም።

ይኹን ደኣምበር፡ እቲ ብቴለቭዥን ጠለባት ለውጢ ናብ ህዝቢ ናይ ምዝርጋሕ መደብ እቲ ቀዳማይ ዕላማ ኣይነበረን። ስለዚ ምስንኻል ናይቲ ስርሒት፡ ምቍራጽ ፈነወ ዘይኮነ፡ እቲ ናይ ኣኼባ ቦታ ኣብ ክንዲ ኣብ ፎርቶ ኣብ ግቢ ተቐይሩ፡ ኢሳይያስ ከምቲ ዝተጸበዩዎ ኣብቲ ቦታ ዘይምጽንሑ እዩ። ኢሳይያስን ደገፍቱን፡ ዋላ ኳ ኣቐዲሞም ሓበሬታ ረኺቦም፡ ቦታ ኣኼባ ቀይሮም፡ ክልተ ሰለስተ ንምቍጽጻሮም ዘየጸግሙ ልኡኻት ክኾኑ እንተተጸበዩ፡ ታንክታትን ሰራዊትን ዝተሳተፎ ምንቅስቓስ ኣብ ቅድሚ ዓይኖም ምስተጋህደ ብመጠን ዕብየት ናይቲ ምንቅስቓስ ኣዝዮም ሰንበዱ።

ኢሳይያስን ደገፍቱን፡ ናይ መካናይዝድ ህላወ ምስ ተገንዘቡ፡ ዝተፈላለዩ ሓለፍቲ መካናይዝድ፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ንቀንዲ ሓላፊ መካናይዝድ ኮለኔል ጸሃየ መኮነን (ወዲ ሞኬ) ናብ ፎርቶ ይልእኩሎም። ካላሽንን ሽጉጥን ዓጢቑ ዝነበረ ወዲ ዓሊ ግን ንወዲ ሞኬ ኣርባዕተ ጥይት ቶኵሱ የቝስሎ። ብድሕሪ’ዚ ወዲ ዓሊ፡ ታንክታት ናብ ቤተመግንስቲ ክትኵሳ ምስ ኣዘዘ፡ ገለ ካብቶም ምስኡ ዝነበሩ ብጾቱ ሰንቢዶም። ኣነጻጽሪኩም (ተስፊርኩም) ሃቡኒ ባዕለይ ክትኩስ ኢሉ ‘ውን ተዛሪቡዎም። ኣብ ከምዚ ኩነታት፡ ብሪጋደር ጀነራል ኢዮብን (ሓሊባይ)፡ ጀነራል ስብሓት ኤፍሬምን ዝኣመሰሉ ሽማግለታት፡ “ብስዉኣት፡ እዚ ኮ ናይ ኩላትና ሕቶ እዩ” ብምባል ከይትኩስ ለሚኖሞ። ከምዚ’ሎም ኣብ ክርክር ክሳብ ምሸት ምስ ጸንሑ፡ ብዓል ብሪጋደር ጀነራል ሳልሕ ዑስማንን ኮለኔል ኣብራሃም ገላዋን በቃ ንግደፎ ኢሎም፡ ምስ ኮለኔል ወዲ ዓሊ ብሓባር ናብ ቁሸት ገጾም ወረዱ። ብመኪና ናብ ዓንሰባ ገጾም ቀጺሎም። ብዘይካ ወዲ ዓሊ፡ እቶም ቀንዲ ሓለፍቲ ማለት ብሪጋደር ጀነራል ሳልሕ ዑስማን፡ ኮለኔል ኣብርሃም (ገላዋ) ኮለኔል ኣለም (ግዙዋ) ተታሒዞም። ኮለኔል ወዲ ዓሊ ግን በይኑ መንገዱ ቀጺሉ። ኣብ ከባቢ ሸበቕ ትብሃል ዓዲ ኣብ ዓንሰባ ኣርኪቦሞ፡ ተታዅሱ 4 ኣቝሲሉ፡ ኣብ መወዳእታ ከይሓዙዎ፡ ባዕሉ ነብሰ ቕትለት ፈጺሙ ተሰዊኡ።

ወዲ ዓሊ ክብገሱ ከለዉ ኣትሒዙ፡ “ንኢሳይያስ ባዕለይ እየ ዝተሓሓዞ” እዩ ዝብል ነይሩ።

ተወላዋልነት፡ ጥልመት፡ ዕሱብነት ብ ኢሳይያስ

ኢሳይያስን እቶም ኢሳይያስ ዝለኣኾም ብስም ስዉኣት እናመሓሉ፡ ዘይናይ ኩላትና ሕቶ እዩ እናበሉ ከይትኵሱ ዝለመኑዎም፡ ወዲ ኤፍሬምን ሓሊባይን፡ በቲ ሓደ ንድሕነት ኢሳይያስ ነቲ ኩነታት ከዘሓሕልዎም ከለዉ፡ በቲ ኻልእ ወገን ከኣ መጻወድያ እዮም ዘዳልዉሎም ነይሮም። ካብታ ካብ ፎርቶ ዝወረዱላ እዋን ድማ፡ ተኸታቲሎም ኣብ ማእሰርትን መስዋእትን ኣብጺሖሞም።

ኣብዚ ንእግረመንገዲ ኪጥቀስ ዘለዎ ሓደ ጉዳይ፡ ኣብ መንጎ ሓላፊ መካናይዝድ ወዲ ሞኬን ስታፍ ክፍለ ሰራዊት ወዲ ዓልን ካብ ነዊሕ ዝጸንሐ ጽልኢ ምንባሩ እዩ። ኣብ 2000 ዓመተ ምህረት፡ ሜጀር ጀነራል ‘ውጩ’ ኣብ ሰንዓፈ ብሓንሳብ ኣብ ዘምሰዩሉ ኣጋጣሚ ምስ ሰኸረ ንወዲ ዓሊ፡ ብስም 5ይ መስርዕ  ወዲ ሞኬ ክርሽኖ ውጥን ከምዝነበሮ ኣምሊቑሉ ነይሩ። በዚ ድማ ወዲ ሞኬ ናብ ፎርቶ ደይቡ፡ ብረት ካብቶም ዓጀብቱ  መንጢሉ ብግስ ክብል ምስረኣዮ፡ ወዲ ዓሊ ስጉምቲ ኪወስድ ኣይተማተአን።

እቲ ብኢሳይያስ ዝምራሕ ኣብ ፎርቶ ኣዳራሽ ሚኒስትሪ ዜና ክግበር ዝነበሮ ኣኼባ ናይ ዞባታት ኣመሓደርቲ ሽዑ ንጉሆ ኣብ ውሽጢ ቤትጽሕፈት ፕረዚደንት (ግቢ) ተቐይሩ፡ ሓለፍቲ ዞባታት ጥራይ ዘይኮነ፡ እንተላይ ሚኒስተራት ናብቲ ስትር ዚበለ ገፊሕ ቀጽሪ ዘለዎ ግቢ ምጽውዖም፡ ብኣኼባ ኣመኽንዩ ኢሳይያስ፡ ካብቲ ኩነታት ክሕባእ ዝወጠኖ እምበር፡ ብሓቂ ኣኼባ ከካይድ ዘውጽኦ መደብ ‘ውን ኣይኮነን። ካብቶም ኣካየድቲ ዞባታት ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ምስጦፋ ኑርሕሸን ብሕማም ኣመኽንዩ ኣብቲ ኣኼባ ኣይተረኽበን።

ገለ ጠላማት ተረኺቦም እቲ ሓበሬታ ናብ ኢሳይያስ ኣብ ርእሲ ምልሓኹ፡ ነቶም ስለለውጢ ዝተንቀሳቐሱ ወገናት ዝነበሮም ጸገም ናይ መራኸቢታት እዩ። እቲ ብቤትጽሕፈት ኢሳይያስ ዝምእከል ናይ ወተሃደራዊ ርክባት መርበብ ራድዮ ተዓጽዩ ነንሕድሕዶም ምስ ቀረባን ርሑቕን ዝረዳድኡሉ ካልእ ኣማራጺ ኣይነበሮምን።

ኢሳይያስ ሓበሬታ ከምዝረኸበ ምስ ፈለጡ፡ ሓደ ሓደ ዓበይቲ ሓለፍቲ ኢድ ከምዘይብሎም ተዓዘብቲ ኮይኖም ኣጽቂጦም እምበር እቲ መደብ ናይ ብዙሓት ተሳተፍነት ነይሩዎ እዩ።

ካብ ብጾቶም ጥልመት ከምዝነበረ ርግጽ ኮይኑ፡ ካልኦት ሚኒስተራት ይኹኑ ጀነራላት ምንቅስቓስ ኣየርኣዩን። ልዕሊ ኹሎም ብሓለፋ ዝተንቀሳቐሰ ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም እዩ። ንሱ ናብቲ ኢሳይያስ ተዓቝቡሉ ዝነበረ ግቢ 6-7 ግዜ ክመላለስ ተራእዩ። ናብቲ ኣብ ቀሓውታ ዝርከብ ቤትጽሕፈት ሜጀር ጀነራል ፍሊጶስ እንተወሓደ 5 ግዜ ከይዱ። ቅድሚ ‘ቲ መዓልቲ’ቲ ቁሊሕ ኢሉ ኣትዩዎ ዘይፈልጥ፡ ኣብ ቃኘው ዝርከብ ፍሉያት ኣሃዱታት ሰራዊት ዘለዉዎ ቤትጽሕፈቱ ‘ውን 4-5 ግዜ ተመላሊሱ። ንኢሳይያስ ከድሕን ንሱ ብሓለፋ ክጎዪ ተራእዩ።

ሜጀር ጀነራል ፍሊጶስ ካብቲ ኣብ ቀሓውታ ዝርከብ ቤትጽሕፈቱ ፈጺሙ ኣይተንቀሳቐሰን።

ህዝቢ ኣስመራ ካብ ቅድሚ 6 ኣዋርሕ ኣትሒዙ፡ ጀነራላት ሰሚሮም ኣንጻር ኢሳይያስ ሓደ ነገር ክገብሩ እዮም ዝበል ወረ ክዛረበሉ ጸኒሑ እዩ። ብዙሕ ግዜ ድማ ስብሓት ኤፍሬም ዝጠርናፊኦም ጀነራላት ኣብ ኣሰመራ ይራኸቡ ነይሮም።

ኣብዚ እዋን’ዚ “ነዚ ስርሒት’ዚ ከምዝፈሽል ዝገበረ፡ ነቲ ሓበሬታ ‘ውን ንኢሳይያስ ኣሕሊፉ ዝሃበ” ተባሂሉ ብህዝብን ተጋደልትን ዝዝረበሉን ዝሕንሓለኑን ዘሎ ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም እዩ። ተጋደልትን ህዝብን “ከም ልማዱ ሕጂ ንሳልሳይ ራብዓይ ግዚኡ ጠሊሙ” ይብሉ ኣለዉ። ደስኪሉ ከብቅዕ፡ እቲ ንሱ ከማሓድሮ ዝግባእ ሚኒስትሪ ምክልኻል፡ ብኮለኔል ተስፋልደትን ብሪጋደር ጀነራል ተኽለ ማንጁስን እናተኻየደ፡ ስለምንታይ ንኢሳይያስ ከድሕን ከምዝተጓየየ ህዝቢ ክርድኦ ኣይከኣለን።

ኢሳይያስ እዚ ምንቅስቓስ’ዚ ናይ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኢድ ከምዘለዎ ይፈልጥ ኳ እንተኾነ፡ ኣቐዲሙ ናብኣቶም ስጉምቲ ምውሳድ ስለዘፍርሖ ብታሕተዎት ኮለኔላትን ኣዘዝቲ ሰራዊትን ምእሳር ጀሚሩ ‘ሎ። ክሳብ ሕጂ ድማ ናብ 60 ዝጽግዑ ተኣሲሮም ኣለዉ። ካብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ግን፡ ሓላፊ ውድባዊ ጉዳያት ህግደፍ ዓብደላ ጃብርን፡ ኣማሓዳሪ ዞባ ደቡብ ምስጦፋ ኑር ሕሸንን እዮም።

(ንማእሰርቲ ብዝምልከት፡ ዝበጽሓና ዝርዝራት ‘ኳ እንተሎ፡ ገለ ሳጓታት፡ ገለ ናይ ስራሕ ቦታን መዝነትን ጥራይ ዝገልጽ፡ ፍርቀፍርቂ ስለዝኾነ፡ ኣብ ቀጻሊ ዝተማልአ ሓበሬታ ምስተረኽበ ከነቕርቦ ኢና)

ሜጀር ጀነራል ዑመር ጠዊልን፡ ሜጀር ጀነራል ሃይለ ሳሙኤልን (ቻይና) ናብ ኣስመራ ተጸዊዖም ከብቅዑ ናብ ኣስመራ ኣይመጽኡን። ኣብ ቦትኦም ኣለዉ።

ኣብቲ ብ21 ጥሪ፡ ብሓይልታት ምክልኻል ምንቅስቓስ ዝተኻየደሉ ዕለት ዝተቐትለ ሓላፊ ብርጌድ ረሻሽ ዝነበረ ኮለኔል ስባህትለኣብ ጽገ (ወዲ ጽገ) ብ 25 ጥሪ ኣብ ደቀምሓረ ኣብ መቓብር ሓርበኛታት ተቐቢሩ።

ንሱ ኣብ ኣስመራ ኣብ ዕረፍቲ ስለዝነበረ፡ ደሃይ ኣሃዱኡ ክገብር ተበጊሱ መኪና ስለዘይነበረቶ፡  ቀደም ኣብ ከቢድ ብረት ፐርሰናል ክፍለሰራዊት ዝነበረ መብራህቱ ዝብሃል ኣብ መጓዓዝያ (ጭማድ) ዝሰርሕ ወዲ ኣሃዱኡ ነበር ብመኪናኡ ከብጽሖ ብሓንሳብ ጉዕዞኦም ናብ ደቀምሓረ ገጾም ጀሚሮም። እንተኾነ፡ ስርዓት ኢሳይያስ  ኩሉ ብሎኮታት ክዕጾ ኣዚዙ ስለዝነበረ፡ ብሎኮ ፈንጢሶም ክኸዱ ከለዉ ወዲ ጽገ በቶም ሓለዋ ተወቒዑ ክዓርፍ ከሎ፡ መብራህቱ ተወጊኡ። ምስቶም ዝተንቀሳቐሱ ርክብ ኣይነበሮን።

ናይ ቀረባ እዋን ዝምድና ኢሳይያስን ስብሓትን

ቅድሚ ክልተ ሰለስተ ወርሒ ኣቢሉ ኣዲኡ ንጀነራል ስብሓት ኤፍሬም ስለዝዓረፋ ኢሳይያስ ብቐጻሊ ምሸት ምሸት ይበጽሖ ነይሩ። ካብ ዳስ ተኸዊሎም፡ ሓዘንተኛ ገዲፎም፡ ኣብ ውሽጢ ገዛ ብምእታው ኣረቂ ሰትዮም ምስ ሰኸሩ ክልተ መዓልቲ ኢሳይያስ ብዋርድያታቱ ተጸይሩ ናብ ገዝኡ ከይዱ።

ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም ንኽስተር ምስ ብዓልቲ ቤቱ ኣብ ሓደ ገዛ ኳ እንተነበሩ ፍቱሓት እዮም። በዚ ድማ ቅሳነት የብሉን።

ኢሳይያስን ተለኣኣኽቱን፡ ብሪጋደር ጀነራል ሳልሕ ዑስማን፡ ምስቲ ኣብ ዓሰብ ዝፈጸሞ ጅግንነት ኣብ ህዝቢ ተወርዩሉ ስለዝነበረ ብፖለቲካዊ ዓይኒ ምስ ኩሎም ‘ቶም ካልኦት ካብ ምእሳሩ፡ ፈቲሕካ ንሰራዊት ኣብ ምርግጋእ ክጥቀሙሉ ስለዝመረጹ፡ “ኣጋግዮምኒ ኢልካ እንተኣሚንካን ንሰራዊትካ እንተገሊጽካሎምን ካብ ቤትማእሰርቲ ነጻ ከነውጽኣካ ኢና” ኢሎም ጸቕጢ ገይሮምሉ። በዚ መሰረት፡ ኣብ ዝሓለፈ ሒደት መዓልታት ካብ ማእሰርቲ ወጺኡ፡ ብሓላፊ ጸጥታ ብሪጋደር ጀነራል ኣብርሃ ካሳ (ወዲካሳ) ተሰንዩ። ናብታ ዝመርሓ ዝነበረ ክፍለሰራዊት 19 ተመሊሱ። ኣብ ቅድሚ ኣሃዱኡ፡ “ኣጋግዮምኒ፡ ሕማቕ መዓልቲ ውዒለ” ከምዝብል ገይሮሞ። ሓሊባይን ወዲ ኤፍሬምን ‘ውን ኣብ ሰራዊት ተመሳሳሊ ጎስጓሳት ኣብ ምክያድ ተጸሚዶም ኣለዉ።

እዚ ኩነታት’ዚ ዝተፈጸመሉ ድሕረ ባይታ

ብልክዕ ዕለትን ዓመትን ስርዓት ኢሳይያስ ንህዝቢ ኤርትራ መዓስ ከምዝመለኸ ንምርግጋጽ ኣሸጋሪ ኳ እንተኾነ፡ ካብ ምንቅስቓስ ጉጅለ 15 ንደሓር ዓዚዙ ከምዝተጋህደ ብሩህ እዩ። ካብኡ ንደሓር ዝቐጸለ ዝርዝራት ከይነውሓና፡ ዝነብሮ መላኽነት እናላሕለሐ ምስ መጸ፡ ብፍላይ ኣብዛ ዝሓለፈት ዓመት፡ ዝተራእየ ቅልውላው ኢሳይያስን ነቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ ንምቍጽጻር ዝገበሮ፡ ግን ከኣ ዲል ዘይረኽበሉ ፍጻሜታት ብጽሙቕ ዝበለ መንገዲ ምምልካቱ ይከኣል።

ቦኽሪ ስጉምቱ፡ ንሚኒስትሪ ምክልኻል ምስ ሚኒስተሩ ኣልሚስካ መሓውር ምክልኻል ካብ በለዛ ናብ ቤትጽሕፈት ፕርዚደንት ምእታው እዩ ነይሩ። ነዚ ብጭቡጥ ንምርኣይ፡ ምሉእ፡ ግን ከ ዘይወግዓዊ ምስግጋር ስልጣን ምሽያም ኮለኔል ተስፋልደት ሃብተስላሰ እዩ ነይሩ። ከም መርኣያ ናይዚ፡ እታ ናይ መጀምርያ ሰርኩላር ኣዘዝቲ ሰራዊት፡ ምቍጽጻር ሰማያት ኤርትራ ኣብ ትሕቲ መዝነት ‘ቲ ሓድሽ ኮሌኔል ከምዝኣተወ ተረድእ እያ ነይራ። በዚ ሰርኩላር’ዚ ብዘይ ፍቓድ ኮለኔል ተስፋልደት፡ ትበርር ሄሊኮፕተር ይኹን ነፋሪት ከምዘየላ ተኣዚዙ። እዚ ብዝኾነ ሃገራዊ ወተሃደራዊ ዕላማ ዝወጽአ መደብ ኣይነበረን። ኢሳይያስ ኣብ ነብሱ ክመጽኦ ካብ ዝኽእል ተጻብኦ ንምክልኻል ዝወሰዶ ስጉምቲ እዩ።

እዚ ገና ነቲ ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር እየ ዝብል ሜጀር ጀነራል ተኽላይ ሃብተስላሰ ኣብ ስልጣኑ ከሎ ዝተኣወጀ ብምንባሩ፡ “እሞ ጀነራል ወዲ ሃብተስላሰ ደኣ ኣዕዋፍ እዩ ዝሕሉ ዘሎ” እናተባህለ፡ መላገጫ ናይቶም መዛንኡ ጀነራላት ኮነ። ምስዚ ተታሓሒዙ ዝመጽአ ነገር እንተነይሩ፡ ምስዋር ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም ጋህዲ ምዃኑ እዩ። ነዚ ምስግጋር ስልጣን ርእዩ ከምዘይረኣየ ህጣሙ ኣጥፊኡ ክነብር ዝመረጸ “ምሉእ ጀነራል” ኣሽንባይ ዶ ክብድሆ ወይ ክጻረሮ፡ ምስ ኮለኔል ተስፋልደት ክመሳሰል እዩ ዝተራእየ። ካብቲ ግቡእ ናይ ሚኒስተር ምክልኻል ዕማሙ ተዋሲኑ ኣብ ካልእ ጎድናዊ ዕማማት ዘቢሉ ዝረኣዩዎ ኣዘዝቲ ሰራዊት ድማ፡ “ተቐባሊ ጋሻ” ክብሉዎ ጀሚሮም።

ኣብ መወዳእታ ድማ፡ እቲ ብዘውዲ (ሰክረታሪ ኢሳይያስ) ጌርካ ምስ “ፕረዚደንት” ዝረኽቦ ዝነበረ ቆጸራ ተሪፉስ፡ ምስ ኮለኔል ተስፋልደት ንምዝራብ ጋዶ ዝኾኖም ጀነራላት ናብ ቃልዕ ወጺኦም ከዕዘምዝሙ ተሰሚዖም። “ ነገር ስግንጢር ኮይኑ፡ ጉዳይ ምክልኻል ሃገር፡ ጀነራላት ከለዉ ብኮለኔላት ኮይኑ፡ ፕረዚደንትና ድማ ባሕታዊ ኮይኑና” እናበሉ ኣብ ጎደናታት ኣዕለሉ። እዚ ኢሳይያስ ዝወሰዶ ስጉምቲ፡ መቐጸልታ ናይቲ ካብ መዓታት ሰማይ ስለነብሱ ገይረዮ ዝበሎ ሓለዋ ብመሬት ‘ውን ውሕስነት ንምርካብ ዝገበሮ ካብ ምጥርጣርን ዘይምትእምማንን ዝተበገሰ ጥበብ እዩ።

እዚ ምዕዝምዛማት ኣብ እዝኒ ኢሳይያስ ምስ በጽሐ፡ ኣብ ሰራዊት ዝነበረ ኢዮብ (ሓሊባይ) ኣብ ቤትጽሕፈቱ ከምዝምደብ ተገብረ። ሓሊባይ ብስርቂ ተኸሲሱ፡ ሓሙሽተ ዓመታት ናይ ማእሰርቲ መቕጻዕቱ ዝወድአ ሓላፊ ኮይኑ፡ ኣብ ምዕዳል ኣባይቲ መንግስቲ ንተጋዳላይ እከለ እዚ ይግብኦ ንእከለ ድማ እዚ ኣይግባእን እናበለ፡ ገዛውቲ ካብ ህዝቢ ክምዝንዕን ክዕድልን ዝውዕል እዩ ነይሩ።

ሚኒስተር ምክልኻልን “ፕረዚደንትን” እቶም ውሽጣዊ ኩነታት ዝከታተሉዎ መኮንናት ኮይኖም፡ “ ገዛውቲ ናይ ሓሊባይ፡ ሰማይ ናይ ናይ ተስፋልደት” እናበሉ መዋዘዪ ገይሮሞ። ኣብ ሓጺር ግዜ ግሁድ ዝኾነ ናይ ስልጣን ምሽማውን ውድድርን ድማ ኣብ መንጎ ኮለኔል ተስፋልደትን ብሪጋደር ጀነራል ሓሊባይን ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እናበርሀ ይመጽእ ኣሎ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ንኹሉ ርዱእ ኮይኑ ከምዘሎ፡ እቲ ርእሰ ምትእምማን ዘጥፍአ ብፍርሒ ተዋሒጡ ዘሎ፡ “ፕረዚደንት” ነቲ ካብ ታሕቲ ናብ ላዕሊ ዝኸይድ ዝነበረ ኣካይዳ ሓርነታዊ ሰራዊት ገዲፉ፡ ካብ ሓደ ገጽ ናብ ካልእ ገጽ ጀነራላት ቀልባዕባዕ እናበለ ትልኽ ይብል ኣሎ። ፖለቲካዊ ሕቶ ኤርትራ፡ ከምቲ ን 25 መዓልታት ኣብ ውሻጠ ድሕሪ ምልምማድ፡ ኣብ ቴለቭዥን ቀሪቡ ኣብ 25 ደቓይቕ “ናይ ፎርቶ ጽውጽዋይ ተወዲኣ” ዝበሎ፡ ብቐሊሉ ዝውዳእ ኣይኮነን። ህዝባዊ፡ ፍትሓዊ ሕቶ ስለዝኾነ። እቲ ኢሳይያስ ኣብ ቴለቭዥን ዝተዛረቦ፡ እቲ ክኾነሉ ዝምነዮ ደኣምበር፡ እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ኣይኮነን።

ታሪኽ ህይወት ስዉእ ጅግና ወዲ ዓሊ ኣብ ቀጻሊ ከነቕርበልኩም ኢና።

ኣሰና ፋውንዴሸን

In-depth details on the Eritrean Defense forces operation for change (Operation Forto)

$
0
0

In-depth details on the Eritrean Defense forces operation for change (Operation Forto)

Feb. 15. 2013

Part 1

  The beginning and development of the operation

The January 21 military operation in the Eritrean Information Ministry (Forto) was conceived four months earlier. It was only awaiting implementation on due time. Three days before the operation carried out i.e. on Friday, the President was conducting a meeting with regional administrators. However, the meeting was not finished on that day, hence; the president told the regional administrators that the meeting would be continued on Monday 09:00 am, 21 January, in the Hager Media hall, located inside the premises of the ministry of information.

Administrator of the Southern region Mr. Mustofa Nurhusien leaked this information to the military leaders that they would be resuming their meeting with the president on the Hager Media Hall premises of the ministry of information, thus the military leaders agreed to implement the planned operation there.

The other senior military leaders from the other divisions, who were supposed to join in the operation, were not informed about the operation on due time, in addition they suspected it was very unusual for the president to tell a meeting venue ahead of time. Fearing it could be a trap advised the other colleagues, who were on the move to postpone the plan for other conducive moment, however, they were already marching towards Asmara starting from Sunday afternoon with their tanks and armored vehicles, and decided to carry out the operation at all costs.

The soldiers who would take part in the operation mainly came from the Tsorena area, a small town along the Ethiopian border in the south. On the early morning of Monday, armed with 12 tanks they reached Dekemhare, a town 40km from the capital. They needed oil refueling in in the town, however; they were denied access by the head of the station, which is commanded under the leadership of Weldu Barya. Finally they were forced to use force to refuel and continued their journey towards the capital. But, on the outskirts of Dekemhare one of the tanks developed a technical failure, and leaving the tank behind moved forward. When they reached around Merhano, they decided to channel the three tanks to control the airport and air force and the remaining tanks reached downtown Asmara, at 10:15 am.

According to the initial plan they were expecting to be joined by the other mechanized brigades that would come from Keren and Nefasit areas to control the other key areas. But, for reasons, which are not clear yet, they failed to take part in the operation.

Those who started from Tsorena front under the command of brigadier general Salih Osman, commander of mechanized brigade colonel Sied Ali Hjay(wedi Ali), colonel Alem (Gizwa), and Abraham (gelawa), when they reached Dekemhare, knew that they were betrayed by some of the other division, however, they had no option other than heading quickly to control the Ministry of Information.

It was for the first time after the downfall of the Derg regime that military tanks were roving in the streets of Asmara, this unusual movement of soldiers was a shock to many Asmara residents, who began calling to friends and relatives to inform them something rare was ongoing inside the city.

At 10:30 the soldiers occupied the Ministry of information and forced the director of Eri-tv Mr. Asmelash Abraha to read on air their political demands. The public heard their demand on the release of political prisoners and the implementation of the constitution, however, soon after; the agents of the president succeeded in taking the Tv off air, thereby their message failed to be transmitted in its entirety.

However, the main target of the operation was neither the control of the ministry of information nor the transmission of their demands on tv; it was the capture the president himself, who was supposed to be in a meeting inside the premises of the Ministry of Information at the time. The president presumably aware of the operation ahead changed the meeting venue in the office of the president (gibi), however, he was only expecting a handful of individuals to take part in the operation, where he can easily manage to suppress them, when he knew the soldiers were armed with tanks and heavy machinery, he was stunned and traumatized.

The president and his sympathizers, when they knew that the mechanized brigade’s involvement in the operation, they have made several attempts to approach them by sending different military leaders and finally they sent the commander of mechanized staff Colonel Sehaye Mekonen, (wedi Moke). Wedi Ali, who was armed with pistol and Kalashnikov at the time, shot four bullets and wounded colonel Sehaye.  After this incident Wedi Ali frustrated by not able to capture the president in the Ministry of Information, ordered the tanks to fire towards the office of the president, however, his colleagues were shocked by the order. When they hesitated to comply, he told them to set the tank on target (Tesfir), so that he could fire it himself. It was in this circumstances that Brigadier General Eyob (Halibay) and General Sebhat Efrem, begged them on the name of martyrs that the demands they were presenting was theirs too. Argument and counter-argument ensued until evening hours, before finally agreed to abandon the on the promise they will not be put under arrest. Brigadier General Salih Osman and Colonel Abraham (golawa) along with Colonel Wedi Ali decided to head towards Kushet, a village west of Asmara. With the exception of Wedi Ali, the main commanders of the operation Brigadier General Salih Osman, Colonel Abraham (gelawa), colonel Alem (gizwa) were captured and imprisoned. Colonel Wedi Ali escaped capture and continued alone, it was when he reached around a village called Shebek, when he learnt that was surrounded, shot and wounded four of the soldiers, before finally aiming the barrel of his gun towards himself- thus committed suicide.

Wedi Ali from the very initial moment of the operation insisted that he would deal with the president himself.

Part two to be continued…..

Mining companies Nevsun, Sun ridge, South borders etc exacerbating our misery

$
0
0

Are mining companies in Eritrea like Nevsun resources, Sun ridge gold corps, South boulder mines and others, exacerbating the misery of the Eritrean people by financing the brutal dictator?

In the world we have seen many dictators prolong their power through the finance they got by engaging in many illegal activities like smuggling weapons to militant fighters, untaxed businesses and others. In case of Eritrea the 2 % of poor diaspora supporters is also another source of income in addition to the other activities.

There is another main source of income to most dictators, as OIL to Gadaffi, GOLD to Isayas, here, there is a controversial issue the western power tightens the sanction on the dictator from many activities but what about sanctioning on those mining companies who are equally responsible in financing the dictator to continue his brutal works.

Do you see some sort of basic change internationally in dealing with dictators in regards to those careless MINING COMPANIES who want to explore under their leadership. Is we take Eritrea, the mining companies are exploring the valuable resources and many villages will be soon to be left with unsightly large open barren excavated holes. There is nothing benefit to the people except their sufferings will be prolonged.

Hence, what is the role of the Eritrean people especially in diaspora to halt all the mining companies from exploiting our resources ?

What about the role of the international community in devising more strict mechanism on the dictator and the mining companies ?

Have your say!

Voice of Assenna: Arabic Program & Oslo Successful Demonstration for Change


ብምኽንያት ‘ቲ ብ21 ጥሪ 2013 ኣብ ኣስመራ ዝተኻየደ ምንቅስቓስ (ስርሒት ፎርቶ) ዝተኣሰሩ ሓለፍትን ደገፍትን ኣብ ቪላጆ (ኣስመራ) ተኣሲሮም ከምዘለዉ ምንጭታት ሓቢሮም።

$
0
0

ብምኽንያት ናይቲ ብ21 ጥሪ 2013 ኣብ ኣስመራ ዝተኻየደ ምንቅስቓስ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ (ስርሒት ፎርቶ) ዝተኣሰሩ መራሕትን ደገፍትን ኣብ ቪላጆ (ኣስመራ)፡ መቓብር እንዳ ምኪኤል ተደኵኑሉ ዝነበረ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ መንበሪ ኣባይቲ ኣባላት ሃገራዊ ድሕነት (ጸጥታ) ዝርከበሉ ቦታ፡ ተኣሲሮም ከምዘለዉ ምንጭታት ሓቢሮም።

ስርዓት ኢሳይያስ፡ ነቲ ኩነታት ናይ ሓደ መዓልቲ “ጽውጽዋይን ፊልምን” ኣምሲሉ ከነኣእሶ ኳ እንተፈተነ፡ ጽልዋኡን ተቐባልነቱን ህዝብን ሰራዊትን  መመሊሱ እናዓበየ ብምኻዱ ሻቕሎቱ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እናኸፍአ ይመጽእ ኣሎ።

ዛጊት ንሓላፊ ውድባዊ ጉዳያት ኣቶ ዓብደላ ጃብርን ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ኣቶ ምስጦፋ ኑርሕሸንን ሓዊስካ ኣስታት 60 ዜጋታት ተኣሲሮም ኣለዉ።

ስርዓት ኢሳይያስ፡ ብፍላይ ነቲ ኣብ ሰራዊት ሰፊኑ ዘሎ ፍናን ናይ ለውጢ ንምፍኳስ፡ ንሓደ ካብ ተሳተፍቲ ናይቲ ምንቅስቓስ ብሪጋደር ጀነራል ሳልሕ ዑስማን ካብ ማእሰርቲ ኣውጺኡ ኣብ ቅድሚ ኣሃዱኡ ክናሳሕ ጸቕጢ ኳ እንተገበረሉ፡ ንኻልኦት ዝጠርጠሮም ወገናት ምጽንጻንን ማእሰርትን ግን ኣየቋረጸን።

ነዚ ናይ ሎሚ ዘመተ ማእሰርቲ ካብቲ ቅድሚ ሎሚ ዝፈልዩ ነገር እንተልዩ፡ ስርዓት ህግደፍ፡ ስጉምቱ ነግፈረግን ምጥርጣርን ዝበዝሖ (indecisive) ኮይኑ ምህላዉ እዩ። ሎሚ ንዝኣሰሮ ንጽባሓይቱ ይፈትሖ፡ መሊሱ ድማ ይኣስሮ…። እዚ ድማ፡ እቲ ተዳኺሙ ዘሉ ስርዓት ኢሳይያስ ነቲ ኩነታትን፡ እቲ ኩነታት ክፈጥሮ ዝኽእል ግብረመልስን ምጭባጥ ስኢኑዎ፡ ተዋጢሩ ምህላዉ ዘንጸባርቕ እዩ።

ተራን ምጥርናፍ መንእሰያትን –ተራን ምጥርናፍ መንእሰያትን

$
0
0

ተራን ምጥርናፍ መንእሰያትን

መድረኻት ፖሊቲካዊ ተቓውሞን

ታደሰ ኪዳነ

                       9ይ ክፋል             16/02/2013

 

ኣብ ዝሓለፈ ክፋል ብዛዕባ ተኽእሎታት ብረታዊ ተቓውሞ፣ ብፍላይ ከኣ ነቲ ‘ኣበይን’ ‘ብኸመይን’ ዝብል ሕቶታት ብኸፊል መሊሰ ነይረ። ብዙሓት ሰባት ከም ዝብልዎ “ብጎነጽ ዝመጽእ ስርዓት ብጎነጽ ኢዩ ዝኸይድ፣ ስለዚ እቲ ብረታዊ ተቓውሞ ንባዕሉ ካልእ ወታደራዊ ስርዓት ስለ ዝፈጥር ዘይምሕሳቡ’ውን ይሓይሽ” ክብሉ ይስምዑ ኢዮም። እዚ ኣበሃህላ’ዚ ከፊላዊ ሓቅነት ኣለዎ። እንተኾነ ንሕና ኤርትራውያን፣ ዝሓለፈ ተመክሮና ዘይንግምግምን ካብ ተመኩሮና ዘይንመሃርን ህዝቢ ኣይኮናን።

ሓደ ዘይክሓድ ሓቂ ኣሎ። ህዝባዊ ግንባር ከም ውድብ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ዝፈጥረሉ ዝነበረ፣ እቲ በብግዜኡ ዝጎናጸፎ ዝነበረ ኣንጸባራቒ ወታደራዊ ዓወታቱን ልዑል ሚስጢራውነቱን እምበር፣ ኣብ ህዝቢ ብዘርኣዮ ጽፉፍ ህዝባዊ ፖለቲካዊ ምሕደራ ኣይነበረን። ንኹሉ’ቲ ኣብ ውሽጢ ይኹን ኣብ ወጻኢ ዝግበር ኤርትራዊ ምጥርናፍ ምሉእ ብምሉእ ይቆጻጸሮ ስለ ዝነበረ ድማ፣ ብዘይካ‘ቲ ባዕሉ ዝዝርግሖ ኣብ ህዝቢ ክዝረበሉ ዝደልዮ ሓሳባት፣ ዝኾነ ካብቲ ህዝቢ ዝመጽእ ሃናጺ ይኹን ነቓፊ ሓሳባት ቦታ ከም ዘይህልዎ ክገብር ጸኒሑ። ዝኾነት ንእሽቶ’ውን ትኹን ናይ ህዝቢ ምትእኽኻብ (ዋላ’ውን ማሕበረ-ኮም) እንተ-ተቐልቂላ፣ ብመንገዲ ውድባቱን ኣብ ወጻኢ ዝርከብ ኣብያተ-ጽሕፈቱን ኣቢሉ ክቆጻጸራ ጸኒሑ። እቶም ነቲ ማሕበር ዘቖሙ ውልቀ-ሰባት ነዚ ክቃወሙ እንተፈቲኖም፣ ዋላ’ውን ብናይ ገዛእ-ርእሶም ተበግሶ ንዘቖሙዎ ማሕበር፣ ናይ ቅያዳ ኣል ዓማ ሰዓብትን ተሓባበርቲ መንግስቲ ኢትዮጵያን ዝብል ስም ተለጢፉዎም፣ ከሲሮምን ተዋሪዶምን ካብቲ ዘቖሙዎ ማሕበር ይስጎጉ ነይሮም።

ኣብቲ ቁጠባዊ መዳይ’ውን እንተኾነ፣ ብፍላይ ድሕሪ ናጽነት፣ ኩለን ኣብ ኤርትራ ዝተተኽላ ኩባንያታት፣ በተን ህግደፍ ዘቖመን ከም በዓል ሰገን፣ ቀይሕ-ባሕሪ (09) ወዘተ ዝኣመሰላ ናይ ንግዲ ማሕበራት፣ ቀስ ብቐስ ከም ዝበሓታ ኮይነን ኢየን። በዚ መንገዲ’ዚ ድማ እቲ ናይ ህዝባዊ ግንባር ወታደራዊ ክንፊ ንብምሉኡ ቁጠባውን ፖለቲካውን ተበግሶ ኤርትራውያን ኣብ ትሕቲ ፍጹም ምቑጽጻሩ ከም ዝኣቱ ገይሩ። ብኻልእ ኣዘራርባ ብምሉኡ ሃብቲ ሃገር ናቱ፣ ኩሉ’ቲ ህዝቢ ድማ ኣገልጋሊኡ ከም ዝኸውን ብምግባር፣ ኣልፋን ኦመጋን ናይ ኤርትራን ህዝባን ኮይኑ ይኸይድ ኣሎ።

እቲ ቀጺሉ ዝመጽእ ሕቶ እምበኣር፣ ካብዚ እንታይ ንመሃር? ዝብል ኢዩ። እቲ ቀንድን ብቐዳምነት ክግብር ዘለዎን ድማ፣ ዝኾነ ወታደራዊ ተበግሶ፣ ወታደራዊ ሞያን ልምድን ብዘለዎም ሰባት ዝምራሕ፣ ግን ከኣ ናይ ገዛእ-ርእሱ ውሽጣዊ ናጽነት ዘለዎ ኮይኑ፣ ብመሰረቱ ግን ብሓደ ሲቪላዊ ፖለቲካዊ ውድብ ዝምእከል ክኸውን ኣለዎ። ኩሉ’ቲ በቲ ወታደራዊ ክንፊ ዝግበር ጽቡቕ ይኹን ሕማቕ ተግባራት ድማ፣ እቲ ፖለቲካዊ ውድብ ሓላፍነት ይወስደሉ።

እቲ ብኻልኣይ ደረጃ ዝረአ ድማ ንግዜን ተክኖሎጅን ዝምልክት ኢዩ። ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውድባትን ውልቀ-ሰባትን ብኸምቲ ኣብ ህዝባዊ ግንባር ዝነበሮ ‘ዕዉር እምነት ከሕድር ኢዩ’ ኢልካ ምጽባይ ዝከኣል ኣይኮነን። ሳላ ተክኖሎጂ ድማ ብኸምቲ በዓል ኢሰያስ ኣብ በዓትታትን ሰናጭሮን ሳሕል ዝገብርዎ ዝነበሩ ጸይቅታት፣ ንዓመታት ከይተፈልጠ ዝኸይድ ኣይኮነን። በዚ ኮነ በቲ ግን እቲ ወታደራዊ ተበግሶ፣ ሓደ ክፋል ናይቲ ዓቢ ፖለቲካዊ ስራሕ እምበር፣ ንበይኑ ተነጺሉ ክኸይድ የብሉን። ንበይኑ’ውን ዝዕወት ኣይኮነን። ስለዚ ምስቲ ፖለቲካዊ ስራሕ ተወሃሂዱ ጥራይ ኢዩ ክኸይድ ዘለዎ። ቀጺልና ብዛዕባ’ቲ ብሰላማዊ መንገዲ ዝብል ካልኣይ ኣማራጺ ንርአ።

 

 

ሰላማዊ ፖለቲካዊ መንገዲ

ኣብ ተመክሮና ንኣከያይዳ ህዝባዊ ግንባር ከም ውድብ ይኹን ንህግደፍ ከም መንግስቲ ብሰላማዊ መንገዲ ንምዕራይ ዝተገብረ ቃልሲ ኣዝዩ ብዙሕ ኢዩ። እቲ ድሒሩ መንግስቲ ዘቖመ ህ.ግንባር ብቑል ካብ ዝብል ኣትሒዙ “ብሕጊ ዝቕየድ ሓባራዊ ኣመራርሓ ዝማእከሉ ኣሰራርሓ ይሃሉ” ኢሎም ንዝሓተቱ ሰባት ዕጭኦም ሞት ምንባሩ ኩልና ንፈልጦ ኢና። እቲ ዝለዓለ ጥርዚ ናቱ ድማ፣ እቲ ኣብ 2001 ኣብ ልዕሊ ጉጅለ 15 ዝተፈጸመ ማእሰርትን፣ ኣብ ህይወቶምን ደቆምን ዝወረደ ኣደራዕን ህያው ኣብነት ኢዩ። ስለዚ ሰላማዊ መንገዲ ጥራይ ንበይኑ ክሰርሕ ከም ዘይክእል ካብ ዝሓለፈ ተመክሮና ንላዕሊ ካልእ ጭብጢ ዘድልየና ኣይኮነን። እቲ ስራሕ ንባዕሉ ፖለቲካዊ ምዃኑ ግን ክዝንጋዕ የብሉን። ብዛዕባ መንግስትን ምሕደራን ምዝራብ ንባዕሉ ‘ፖለቲካ’፣ እቲ ዕማም ድማ ‘ሰላም ንምምጻእ’ ስለዝኾነ ድማ፣ እቲ ዝዓበየ ስራሕ እቲ ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን ዝካየድ ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን ስራሕ ኢዩ። ኩሉ’ቲ ካልእ፣ እንተላይ እቲ ወታደራዊ ስራሕ፣ ኣካል ናይቲ ዓቢ ፖለቲካዊ ዕማም ጥራይ ኢዩ።

ኣብቲ ናጽነት ንምምጻእ ዘካየድናዮ ቃልሲ እቲ ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን ስራሕ በቲ ወታደራዊ ዓወታት ዝጉተት ምንባሩ ክሰሓት የብሉን። እቲ “በይኖም ኣንጻር ኩሎም ሓያላት” ዝብል ጭርሖ ምዝካር ጥራይ ብቑዕ ኣብነት ናቱ ኢዩ። ውጽኢቱ ድማ ነዊሕ ግዜን ብዙሕ ህይወትን ጠፊኡ ጥራይ ዘይኮነ፣ እቲ ዘቖምናዮ ስርዓት እውን፣ ሓይሊ ዘቐድም፣ ዲፕሎማስያዊ ስራሕ ዘይፈልጥ፣ ንዓለማዊ ሕጊ ዘየኽብር፣ ንበይኑ ዝዕንድር ስርዓት ኮይኑ። እቲ ድሕሪ ናጽነት ምስ ኩለን ጎረባብትና ሃገራት ዘካየድናዮ ውግኣት ድማ፣ መቐጸልታ ናይቲ ‘ብረት ቅድሚ ፖለቲካ‘ ዝብል ሰረተ-እምነት ሓለፍቲ ናይቲ ውድብ ምንባሩ ክዝንጋዕ የብሉን። ነዚ ዝተዓዘበት ዓለም ነቲ ዓንዳሪ መንግስትና ሕቖኣ ሂባቶ ኣላ። እቲ ግዳይ ዝኾነ ህዝብና ድማ ብናይ ዓለም ማሕበረ-ሰብ ተረሲዑ ኣብ ፈቐዶ በረኻታት ከም ኣቕሓ እናተሸጠ ቁሊሕ ዝብሎ ዋና ስኢኑ ኣሎ። ብኸምኡ ከኣ ኢየ ‘ካብ ተመክሮና ክንመሃር ኣለና’ ዝበልኩ። ስለዚ እቲ ዝዓበየ እቲ ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን ስራሕ ኮይኑ፣ እቲ ወታደራዊ ስራሕ ናቱ መቐጸልታ ጥራይ ኢዩ ክኸውን ዘለዎ።

 

ተኽእሎታት ህዝባዊ ናዕቢ ኣብ ኤርትራ

ኣብዚ ከብርሆ ዝደሊ ነገር ግን ኣሎ። ንሱ ድማ ብዛዕባ’ቲ ብገለ ወገናት ዝዝረብ “ህዝባዊ ናዕቢ” ዝብል ኣምር ኢዩ። ተጣበቕቲ ህዝባዊ ናዕቢ ንብረታዊ ጎነጽ ይነጽጉ። ከም መርትዖ ዘቕርብዎ ድማ “ብጎነጽ ዝመጽእ ስርዓት ነባሪ ሰላም ከምጽእ ኣይክእልን ኢዩ፣ ንዕኡ ንምእላይ እውን ካልእ ቃልሲ ከድሊ ኢዩ” ክብሉ ይስምዑ። ኣዞም ሰባት ክዛረቡሉ ዘይደልዩ፣ ወይ ዝረስዕዎ ነገር ግን ኣሎ። ንሱ ድማ “ኣብ ኤርትራ ንህዝባዊ ናዕቢ ዘድሊ፣ ቅድመ-ኩነት እውን ክበሃል ዝኽእል ባይታ ኣሎ ድዩ?” ህዝባዊ ናዕቢ ኣብ ከመይ ዝበለ ኩነታት ኢዩ ክካየድ ዝኽእል? ዝብሉ ሕቶታት መልሲ ዘድልዮም ኢዩ።

እቲ ቀዳማይ ከም ቅድመ-ኩነት እውን ክምለስ ዘለዎ እምበኣር፣ እቲ ዘሎ ሰራዊት ንረብሓ ሃገርን ህዝብን ዝሰርሕ ድዩ – ወይስ መጋበርያ ናይቲ ውልቀ-መላኺ ኢዩ? ዝብል ኢዩ። እዚ ሕቶ’ዚ ናብቶም ነቲ ሰራዊት ዝመርሑ ዘለዉ ሓለፍቲ እምበር ንኣተሓሳስባ ናይ ነብሲ-ወከፍ ወታደር ዝምልከት ኣይኮነን። መራሕቲ ሰራዊት ኤርትራ ድማ ብውልቂ ደረጃ ንረብሓ ህዝብን ሃገርን ዝተጋደሉ’ኳ እንተ-ኾኑ፣ ድሕሪ ናጽነት ግን ንኹሉ’ቲ ዝተጋደልሉ መትከላት ጠሊሞም፣ ንረብሓ’ቲ ውልቀ-መላኺ ኣንጻር ህዝቦም ኲናት ዝኣወጁ ኢዩም። ናይዚ ንጹር ኣብነት ንምጥቃስ፣ ሎሚ ከተማታት ኤርትራ ብሓይሊ ፖሊስ ዘይኮናስ፣ ብሓይልታት ኮማንዶን ኣጋር ሰራዊትን ይሕለዋ ኣለዋ። ነቶም ዝኾነ ተተኳሲ ዘይነበሮም፣ ኣካላቶም ንናጽነት ዝኸፈሉ ስንኩላን ተጋደልቲ ዝቐዘፉ፣ ፖሊስ ዘይኮኑስ ሓይልታት ኮማንዶ ኢዮም። ኣብ ድግሳ፣ ኮርባርያ፣ ቅነ-ሓያላ ወዘተ ኣብ ማእከል ዓድታት ኣትዮም ህዝቢ ዘበሳበሱ ፖሊስ ዘይኮኑስ ኣጋር ሰራዊት ኢዮም። ሎሚ’ውን እንተኾነ ኣብ ኩለን ከተማታትን ገጠራትን፣ ኣብ ሲቪላዊ ጉዳያት ዝኣትዉን፣ ከም ‘ኣኽበርቲ ጸጥታ’ ኮይኖም ዝሰርሑ ዘለዉ፣ ሓይሊ ፖሊስ ዘይኮነስ፣ ኣጋር ሰራዊትን ኮማንዶን ኢዮም። እዚ ድማ እቲ ሰራዊት፣ ኣውያትን ብኽያትን ናይቲ ህዝቢ ዘይስምዖ፣ ምሉእ ብምሉእ ጸግዒ ናይቲ ስርዓት ዝሓዘ ምዃኑ የርኢ።

ኩልና ከም እንፈልጦ፣ ሓይልታት ፖሊስን ሰራዊትን ፍጹም ዘይራኸብ ነናቶም ስራሕ ኣለዎም። ዝወስድዎ ትምህርትን ታዕሊምን እውን በበይኑ ኢዩ። ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ዘጋጥም ዝኾነ ጸገም ድማ ናይ ፖሊስ ስራሕ እምበር ናይ ሰራዊት ኣይኮነን። እኳ’ድኣ እቲ ሰራዊት ጸግዒ ህዝቡ ክሕዝን፣ ብሓይልታት ፖሊስን ናይ ጸጥታ ትካላትን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ንዝፍጸም ሕማቕ ተግባራት ክቃወም ኢዩ ዝግባእ። ስርዓት ህግደፍ ግን ኣብ ፖሊስን ሲቪላዊ ምምሕዳርን እምነት የብሉን። እቲ ምኽንያት ቀሊል ኢዩ። ናይ ፖሊስ ስራሕ ምስ ቤት-ፍርዲ፣ ኣኽባር ሕጊን፣ ጠበቓን ዝተኣሳሰረ ኢዩ። እዚ ድማ ብውሑዱ ክሱስ ጭብጥታት ክቐርበሉ ክሓትትን መከላኸሊ ከቕርብን ስለ ዝፍቀደሉን ኢዩ። ካብዚ ንምህዳም ከኣ ኢዩ እቲ ስርዓት ንኩሉ’ቲ ህዝቢ ብኮማንዶን ኣጋር ሰራዊትን ከም ዝሕሎ ገይርዎ ዘሎ። ሓለፍቲ ሰራዊት’ውን ‘ንህዝቢ ዝምልከት ጉዳይ ስራሕና ኣይኮነን’ ኣይበሉን። ወታደር ድማ ንዝተዋህቦ ትእዛዝ ዝፍጽም እምበር፣ ነቲ ትእዛዝ ‘ሕማቕን ጽቡቕን’ ኢሉ ክመሚ መሰል የብሉን። እቶም ትእዛዝ ዝህቡዎ ድማ ንሶም እቶም ብዋጋ ህዝቦም ጸግዒ ናይቲ ስርዓት ዝወሰዱ ሓለፍቲ ሰራዊት  ኢዮም። ስለዚ ንተጣበቕቲ ህዝባዊ ናዕቢ እዚ ዝስዕብ ክብሎም እደሊ። እቶም ኣብ ጎድኖም እናተዋግኡ ንዝሰንከሉ፣ ብሓገዝ ምርኩስ ዝንቀሳቐሱ ስንኩላን ብጾቶም ብጥይት ተኲሶም ክቐትሉ ድሕር ዘይበሉ መራሕቲ ሰራዊት፣ ነቲ “ናጽነት ኣምጺእናልካ” እናበሉ ከከሻምሽዎ ዝውዕሉ ተራ ህዝቢ ብጥይት ንምቕዛፍ ድሕር ዝብሉ ኣይኮኑን።

እቲ ካልኣይ ከም ቅድመ-ኩነት’ውን ክቐርብ ዝኽእል ድማ፦ ንናዕቢ ዘበግስ ስራሕ ዘይብሉ፣ ብብዝሒ ኣብ ከተማታት ቀንፈዘው ክብል ዝውዕል፣ ኣብታ ወለዱን ስድርኡን ዝነብሩላ ከተማ ናይ ምንባር መሰል ዘለዎ፣ ግን ከኣ በቲ ስርዓት ተስፋ ዝቖረጸ ብርክት ዝበለ ቊጽሪ ዘለዎ መንእሰይ ክህሉ ኣለዎ። ብዛዕባ ህዝባዊ ናዕቢ ኣብ እንዛረበሉ እዋን ተራ ናይቶም ትምህርቶም ወዲኦም ስራሕ ክረኽቡ ዘይከኣሉ ተማሃሮ ላዕለዋይ ደረጃን፣ ኣብ ሓጺር እዋን ናይ ምጥርናፍ ዓቕሚ ዘለዎም ተማሃሮ ካልኣይ ደረጃን ዕዙዝ ምዃኑ ክንዝክር ይግባእ። መንእሰይ ኤርትራ ግን ይትረፍ ስራሕ ስኢኑ ኣብ ከተማታት ቀንፈዘው ክብል፣ ኣብተን ዝዓበየለን ከተማታት ክነብርን ብነጻ ክንቀሳቐስን’ውን ዝፍቀዶ ኣይኮነን። ተማሃሮ 2ይ ደረጃ እታ ናይ መወዳእታ 12 ክፍሊ ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ወታደራዊ ሓለዋ ኣብ ሳዋ  ይመሃርዋ ኣለዉ። ላዕለዋይ ደረጃ ከም ትካል የለን። ኣብተን ከም መተካእታ ዝተኸፍታ ኮለጃት ዝመሃሩ ተማሃሮ ድማ ይትረፍ ንኣድማ ክወጹ ንኽሸኑ’ውን ኣፍቂዶም ከም ዝኸዱ ኢዩ ዝንገረና ዘሎ።

ምስዚ ተኣሳሲሩ ክረአ ዘለዎ ሎሚ ኣብ ኤርትራ ካብ 18 ክሳብ 40 ዓመት ዘሎ ወዲ ይኹን ጓል፣ ብሕጊ ወታደር ኢዩ። ኩሉ ምንቅስቓሳቱ ድማ ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ወታደራዊ ሕጊ ዝተማእከለ ኢዩ። “ወታደራዊ ታዕሊም ኣይወሰድኩን ወይ ወታደር ኣይኮንኩን” ዝብል፣ ከም ገለ እንተ-ተረኺቡ ድማ “ካብ ኣገልግሎት ተሓቢእካ!” ተባሂሉ ዝኽሰስን ዝእሰርን ኢዩ። ስለዚ ካብ ‘ህዝባዊ ናዕቢ’ ምባል ‘ወታደራዊ ናዕቢ’ ምክያድ ምባል ዝቐለለ ኢዩ። ላዕለዎት መኮነናት ዘይተሓወስዎ ናይ ወታደራት ናዕቢ ድማ መንግስቲ ክዓሉን ክልውጥን ዘለዎ ተኽእሎ ኣዝዩ ውሱን ኢዩ። ስለዚ ሕቶ ህዝባዊ ናዕቢ- ብፍላይ ኣብዚ ህልው ፖሊቲካዊ ኩነታት ኤርትራ ከም ሕቶ’ውን ክቐርብ ዝኽእል ኣይመስለንን።

ሓደ ቀሊል ኣብነት ንምውሳድ፣ ተመክሮታት ሊብያ፣ ግብጺ፣ ቱኒዝያን ሶርያን ምርኣይ እኹል ኢዩ። ከተማታት ናይዘን ሃገራት እዚኣተን ስራሕ ብዘይብሎም መንእሰያት ዝዘቕበባ ኢየን ነይረን። ኣብተን ሃገራት ብዙሕ ወጻኢታት ዝግበረሉ ውሽጣዊ ስለያን ጸጥታን እኳ እንተነበረ፣ እቶም መንእሰያት ተገዲዶም ናብ በረኻታትን ወታደራዊ መዓስከራትን ይውሰዱ ኣይነበሩን። ስለዚ ኣብ ኩለን እዘን ሃገራት እዚኣተን እቲ ንህዝባዊ ናዕቢ ዝብገስ፣ ስራሕ ዘይብሉ፣ ትምህርቱ ወዲኡ ቀንፈዘው ክብል ዝውዕል ብዝሒ ሰብ ነይሩ ኢዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ እቲ ንሰብኣዊ ዓቕሚ ዘድሊ ቅድመ-ኩነት ተማሊኡ ነይሩ ኢዩ። ኣብ ሓለፍቲ ሰራዊት ግን ፍልልይ ነይሩ። ኣብ ግብጽን ቱኒዝያን እቲ ሰራዊት ጸግዒ ህዝቡ ስለ ዝወሰደ እቲ ህዝባዊ ናዕቢ ተዓዊቱ ኢዩ። መራሕቲ ናይ ክልቲአን ሃገራት ነቲ ኣብ ቅርዓት ዝወጸ ህዝቢ “በልዎ” ዝብል ትእዛዝ’ኳ እንተ-ሃቡ፣ መራሕቲ ሰራዊት ግን “ናብ ህዝብና ኣይንትኩስን” ብምባል ዕጭ ሓምፊፎም። እኳ’ድኣ ነቲ ኣብ ሰልፊ ዝነበረ ህዝቢ ካብቲ ብሓይልታት ፖሊስን ትካላት ጸጥታን ዝወርዶ ዝነበረ ግፍዕታት ክከላኸልሉ ተራእዮም ኢዮም። ኣብ ሊብያን ሶርያን ግን መራሕቲ ሰራዊት ጸግዒ ናይቲ ስርዓት ስለዝወሰዱ፣ እቲ ብሃንደበትን ብዘይ ገለ ምድላዋትን ዝጀመረ ህዝባዊ ምልዕዓል፣ ናብ ዘይተወደበ ጎነጽን ህንፍሽፍሽን ኣምሪሑ ጥራይ ዘይኮነ፣ ማእለያ ዘይብሉ ሰብኣዊ መቕዘፍትን ዕንወት ከተማታትን ትካላት ህዝብን ኣስዒቡን የስዕብን ኣሎ።

ስርዓት ህግደፍ ምስ ሰሜን ኮርያ ዝመሳሰል ኣከያይዳ ኢዩ ዘለዎ። ኤርትራን ሰሜን ኮርያን ዘጋታተን ዶብ ክሰግሩ ከለዉ፣ ብጥይት ይቕተሉ። ኣብታ ዝተሃርሙላ ቦታ ድማ ይድርበዩ ወይ ኣብኣ ይቕበሩ። እዚ ክብ ኢሉ ዝተገልጸ ክልቲኡ ንህዝባዊ ናዕቢ ዝምልከት ቅድመ-ኩነታት ድማ ኣብ ኤርትራ የለን። ስለዚ ሕቶ ‘ህዝባዊ ናዕቢ’ ምድንጋር ንምፍጣርን ኣቓልቦ ህዝቢ ንምክፍፋልን እንተ ዘይኮይኑ ከም ምርጫ ዝውሰድ ኣይኮነን። እቲ ውዒሉ ሓዲሩ ህግደፍ ንምእላይ ዘይተርፍ ጎነጽ እምበኣር፣ ኣብ ክንዲ ሃንደበት ጀሚሩ፣ ህልቂት ሰላማዊ ህዝብን ዕንወት ከተማታትናን ዘስዕብ፣ ኣቐዲሙ ብደቂቕ መጽናዕቲ ጀሚሩ፣ እቲ ኲናት ኣብ ዶባትን በረኻታትን ሃገርና ክውዳእ ዝበለጸ ኢዩ።

 

ካብዚ ቀጺሉ ዝመጽእ ሕቶ እቲ ክካየድ ዝግበኦ ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን ቃልሲ ድኣ ከመይ ዝበለ ኢዩ? ዝብል ኢዩ። እዚ’ውን ብመንጽር’ቲ ኣብዚ ሜዳ’ዚ ህግደፍ ዘካይዶ ዘሎ ተጻብኦ ተዛሚዱ ክረአ ዘለዎ ኢዩ። ኩልና ከም እንፈልጦ ህግደፍ ብህዝቢ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ፣ ብማሕብረ-ሰብ ዓለም’ውን ኣዝዩ ጽሉእ ኢዩ። ማሕበረ-ሰብ ዓለም እውን ህግደፍ ንምእላይ ንድሕሪት ዝብል ኣይኮነን። ስግኣት ግን ኣለዎ። ንሱ ድማ ንህግደፍ ዝትክእ ህዝባዊ ሰረት ዘለዎ ድልዱል ተቓዋሚ ሓይሊ ዘይምህላዉ ኢዩ። ስርዓት ህግደፍ’ውን ነዚኣ ኣጸቢቑ ይፈልጣ ኢዩ። ደምበ ተቓውሞ ከይሰምርን ከይጥመርን’ሞ መተካእታ ዝኸውን ሓይሊ ንኸይቅልቀል ኣዝዩ ብዙሕ ፋይናንሳዊ ባጀት ኢዩ ዘጥፍእ። እቲ ብውሽጡ ኣዝዩ ዝደኸመ ስርዓት፣ ከም ስርዓት ንኽቕጽል ካብ ዘኽኣልዎ ረቛሒ ድማ፣ እቲ ደምበ ተቓውሞ ኣብ ሸንኮለል ከም ዝኣቱ ንምግባር ዘውጽኦ ባጀትን ስርሓት ስለያን ኢዩ።

 

ኣብዚ ሜዳ’ዚ እቶም መራሕቲ ተቓወምቲ ውድባት ባዕላቶም ዝፈጥርዎ ሽግር’ውን ኣሎ። በብውልቆምን ብመንገዲ ገለ ናብቲ ክፍሊ ቅርበት ዘለዎም ምሁራትን፣ ናብ ናይ ኣመሪካ ጉዳያት ወጻኢ (state department) ክጎዩን “ኣብ ህዝቢ ዝለዓለ ተቐባልነት ዘሎናን፣ ዝሓሸ ኣማራጺ ክንከውን እንኽእልን ንሕና ጥራይ ኢና” ክብሉ ይረኣዩ ኢዮም። እንተኾነ፣ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ይኹን መንግስቲ ኣመሪካ፣ ናይ ገዛእ-ርእሶም ትዕዝብትን መጽናዕትን የካይዱ ኢዮም። ብመንገዲ እተን ‘መሓዙት’ ዝብሉወን ናይ ከባቢና ሃገራት ዝረኽብዎ ሐበሬታ’ውን ይሰምዕዎ ኢዮም። ስለዚ ነቶም በብውልቂ ዝመጽእዎም መራሕቲ ተቓውሞ፣ ምእንቲ ዲፕሎማስያዊ ሃልኪ፣ ታሕተዎት ሓለፍቲ ናይቲ ትካል ብምስዳድ ይሰምዕዎም ኢዮም። እቲ ዝህብዎም ክብሪ ግን ዓቢ ኣይመስልን። ናይዚ ጭቡጥ ኣብነት ዝኾነና ሓላፊት ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ነበር ሂላሪ ክሊንተን ንሲስተር ዓዘዘትን ኣባ ሙሴን ብኣካል ክትረኽቦም ከላ፣ ንዝኾነ መራሒ ተቓዎሞ ኣዘራሪባ ኣይትፈልጥን።  እቲ በብናትካ ምጉያይ ድማ ካብ ኣዎንትኡ ኣሉታኡ ከም ዝዓቢ ዘካትዕ ኣይኮነን። ንፖለቲካዊ ባህሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘየንጸባርቕ፣ ዝያዳ ምጥርጣር ዝፈጥር ሕማቕ ኣከያይዳ ድማ ኢዩ።

ኣብዚ ነጥቢ’ዚ ቁሩብ ክዛረብ ጽቡቕ ይመስለኒ። ማሕበረ-ሰብ ዓለም እቲ ኣብ ሶማልያ ዘጋጠመ ፖሊቲካዊ ሃጓፍ ኣብ ኤርትራ ክድገም ድሌት የብሉን። ናይ ሶማላያውያን ኣሕዋት ተመክሮን ኣብ ገዛእ- ሰራዊቶም ዝወረደ ክሳራን ገና ካብ ተዘክሮ ኣመሪካውያን ዝሃሰሰ ኣይመስለንን። እቲ በብውልቅኻ ናብ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ (state department) ምጉያይ ድማ ካብቲ ኣብኡ ከይዶም ዝዛረብዎ ንላዕሊ፣ እቲ ተኸፋፊልካ ምምጻእ ዝያዳ ስኽፍታ ዝፈጥረሎም ኢዩ። ሶማልን ኤርትራን ክልቲአን፣ ኣብ ሓደ ዞባ ዝርከባ፣ ኣብ ተዛማዲ ማሕበረ-ቁጠባዊ ምዕባለ ዘለዋ ሃገራት ስለዝኾና ድማ ነቲ ምጥርጣር የዕብዮ ኢዩ።

 

እንተኮነ፣ ኣብ መንጎ ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ሶማልያን ዘሎ ፖለቲካዊ ባህሊ ኣዝዩ ዝተፈላለየ ኢዩ። ኣብ ኤርትራ ናይ ዓሌትን ቀቢላን ዝምድና የለን። ኣብ ውሱን ከባቢታት ህዝቢ መታሕት ዝህልው እንተኾይኑ’ውን፣ ብሃገር ደረጃ፣ ነቲ ፖለቲካዊ ባህሊ ዝጸልዉ ኣይኮነን። እቲ ብገለ ሰባት ክዝረብ ዝስማዕ ናይ ሃይማኖት ፍልልይ’ውን ህዝብና ቀደም ሓሊፉዎን ተማሂሩሉን ስለዝኾነ፣ ካብ ስምዒታት ናይ ውሑዳት ኣብ ደገ ዝነብሩ ኤርትራውያን ሓሊፉ፣ ንውሽጣዊ ፖሊቲካዊ ባህሊ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ኣይኮነን። ህግደፍ ንኹሉ ኣሎ ዝበሃል ፍልልያት ህዝቢ ኤርትራ ክጥቀመሉ ፈቲኑ ኢዩ። እቲ ሃይማኖታዊ ምክፍፋል ፍረ ዘምጽእ ኮይኑ ስለ ዘይረኸቦ ከኣ’ኢዩ፣ ኣብ መንጎ ኣውራጃታት ሓዊ ክውልዕ ዝሃቀነ። ንሱ’ውን ካብ ግዝያዊ ዘይምትእምማን (discontent ምፍጣር) ሓሊፉ፣ ፍረ ኣይረኸበሉን። ኣብ ኤርትራ ንናይ ዒራቕ ቲክሪትን (Tikrit) ናይ ሊብያ ሰርትን (surt) ዝመሳሰል ከባቢ ክፍጠር ኣይከኣለን። ብሓጺር ኣዘራርባ ካብ ኣርዑት ህግደፍ ዝተገላገለት ኤርትራ፣ ክሳብ ሓደ ንኹሉ ዝውክል ባይቶ ዝምረጽ፣ ህዝባ ካብ ኩሉ ብዝተወከሉ ዓበይቲ ዓዲ ክመሓደር ዝኽእል ምዃኑ ክበርህ ኣለዎ። እቲ ክካየድ ዝጸንሐ ዲፕሎማስያዊ ስራሕ ድማ ነዚ ከንጸባርቕ ምተገብአ ነይሩ።

ስለዚ ምስቲ ብውሽጢ ዝካየድ ብረታዊ ተቓውሞ፣ ሓደ ዝተወሃሃደ ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን ስራሕ ከድሊ ኢዩ። ኣብዚ ሜዳ’ዚ ካብተን ውድባት ዘካይድኦ ፖለቲካዊ ስራሕ ንላዕሊ፣ ውልቀ-ሰባት ከካይደዎ ዝጸንሑ ስራሕ ‘ዝያዳ ኣድማዒ’ ምንባሩ ምዝካር የድሊ። ስለዚ እተን ዘለዋና ውድባት ክሰምራን ብሓባር ክሰርሓን ጽቡቕ እኳ እንተኾነ፣ ግድነት ግን ኣይኮነን። እቲ ኣብ መንጎአን ዝረአ ፍልልያት፣ ንውልቃዊ ፖለቲካዊ ኣጠማምታ መራሕተን ዝምልከት እምበር፣ ንፖለቲካዊ ባህሊ ህዝቢ ኤርትራ ከም ዘየንጸባርቕ ክፍለጥ ኣለዎ። ስለዚ ዝኾነ ውድብ፣ ካብ ውሽጢ ኣድላዪ ምትዕርራይ (reform) ገይሩ፣ ንመብዛሕትኡ ህዝቢ ብዘዕግብ መንገዲ ክንቀሳቐስ እንተ-ጀሚሩ ህዝቢ ክዓስሎ ኢዩ። እቶም ኣብ ደገ በብውልቖም ዝንቀሳቐሱ ዘለዉ ግዱሳት ኤርትራውያን እውን በቲ ዝተሓተ ደረጃ፣ ነቲ ድሮ’ውን ዝገብርዎ ዘለዉ ስራሕ ከወሃህድዎን ናይ ስራሕ ምክፍፋል ክገብሩን ዝበለጸ ምኾነ። ነቶም ኣብ ምሉእ ዓለም ፋሕ ኢሎም ዘለዉ፣ ዲፕሎማስያዊ ስራሕ ዝፈልጡን ዓቕሚ ዘለዎምን ኤርትራውያን ኣሕዋት’ውን እዚ ዝስዕብ ክብሎም እፈቱ። ህዝብኹም ከም ኣቕሓ መሸጣ ኣብ ምድረ-በዳታት እናተሸጠ ከሎ፣ ነንሕድሕድኩም ተጠማሚትኩም ኣብ ክንዲ ምጽቃጥ፣ ክትበራበሩን እጃምኩም ከተበርክቱን ይግባእ። ኣብዚ ከበርህ ዘለዎ እቲ ቃልሲ፣ ኣብ ውሽጢ ደቂ ሓንቲ ሃገር ሓድሕድ ዝካየድ ስለዝኾነ፣ ብኻልእ ኣዘረርባ እቶም ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ከምዚ ዝበለ ሓደጋ ዘውድቕዎ ዘለዉ፣ ኣሕዋትናን ኤርትራውያንን ስለ ዝኾኑ፣ ምስቲ ስርዓት ዝደናገጹ ወይ’ውን ለውጢ ዝደልዩ ግን ከኣ እቲ ዝመጽእ ለውጢ ዘፍርሆም ምሁራት ክህልዉ ከም ዝኽእሉ ምዝካር የድሊ። እቲ ምጥርናፍ እምበኣር ንኹሎም ምሁራት ዘይኮነስ፣ ንመብዛሕትኦም ምሁራት፣ ዋላ’ውን ብዝተሓተ ደረጃ ክጥርንፍ እንተኽኢሉ ኣድማዒ ኢዩ።

 

ኣብ ደገ ሓድሽ ኣወዳድባ የድሊ ኣሎ

እቲ ኣብ ወጻኢ ዝካየድ ዘሎ ሰላማዊ ሰልፍታት ኣድማዒ’ኳ እንተኾነ፣ ምስ ግዜ ዝኸይድ ሓድሽ ኣወዳድባ የድልዮ ኣሎ። እቲ ብደረጃ ውድባት፣ ማሕበራትን ውልቀ-ሰባትን ኣንጻር’ቲ ስርዓትን ልኡኻቱን ዝካየድ ተቓውሞታት፣ ንውሽጣዊ ኣሰራርሓ ናይተን ውድባትን ማሕበራትን ብዘይጻረር መንገዲ፣ ዋላ’ውን በቲ ዝተሓተ ደረጃ ተረዳዲኦም፣ ዘስርሖም ሕግታት ሓንጺጾም፣ ሓደ ናይ ሓባር ሽማግለታት እናኣቖሙ፣ ተቓውሞኦም ከወሃህዱ ይግባእ። እተን ዝቖማ ናይ ሓባር ሽማግለታት፣ ነቲ ሰላማዊ ሰልፍታት ኣብ ምውዳብ ከይተሓጽራ፣ ኣብ ከባቢአን ምስ ዝርከቡ ሰበ-ስልጣን ናይተን ሃገራት እናተረዳድኣ፣ ንምንቅስቓስ ልኡኻት ህግደፍ ክዓግታን፣ ምስቶም ብቐረባ ክርከቡ ዝኽእሉ ኣባላት ፓርላማ ናይተን ሃገራት እናተራኸባ፣ ጉዳይ ኤርትራ ኣብ ባይቶታት ናይተን ሃገራት ንኸልዕሉዎን ንኽዛረብሉን ጎስጓስ ከካይዳ ይግባእ።

ኣብዚ መዳይ’ዚ ዝርአ ሓደ ሓደገኛ ኣከያይዳ ስለ ዘሎ፣ ንዕኡ ከይጠቐስኩ ክሓልፍ ኣይደልን። ኣብ ሓደ ከተማ ዝቖማ ማሕበራት፣ ምስቶም ብቐረባ ኣብታ ከተማ ንተመሳሳሊ ዕላማ ብውልቅን ብማሕበራትን ዝንቀሳቐሱ ኣካላት፣ ሽማግለታት ብምቛም፣ ስርሐን ከወሃህዳ ዘይከኣላ፣ ኣብ ካልእ ከተማታት፣ ኣብ ካልእ ሃገራት ወይ ኣብ ካልእ ክፍሊ-ዓለማት ምስ ዘለዋ ማሕበራትን ምንቅስቓሳትን ‘ተወሃሂድና ንሰርሕ ኣለና’ ምባል፣ ኣብ ልዕሊ’ቲ ህግደፍ ዝገብሮ ዘሎ ምፍልላይ፣ ዝያዳ ምጥርጣርን ዘይምትእምማንን ዘሕድር፣ ውዒሉ ሓዲሩ ድማ ካብ ኣዎንትኡ ኣሉታኡ ዝዓቢ ኣሰራርሓ ኢዩ። ስለዚ ከኣ ኢየ ምስ ግዜ ዝኸይድ ሓድሽ ኣወዳድባ የድሊ ኣሎ ዝበልኩ። እዚ ማለት ግን እቲ ኣብ ሓንቲ ከተማ ዝህሉ ምውህሃድ፣ ምስተን ኣብ ክባቢአን ዝርከባ ከተማታት፣ ካብኡ ሓሊፉ’ውን ብዞባ ደረጃ- ናይ ኤውሮጳ፣ ናይ ኣመሪካ፣ ናይ ማእከላይ ምብራቕ ወዘተ እናበለ ክዓቢ የብሉን ማለት ኣይኮነን። ኣብተን ከታማታት ኣድማዒ ስራሕ ክስራሕ እንተጀሚሩ ድማ እተን ሽማግለታት ነንሕድሕደን እናተረዳድኣን እናተመኻኸራን፣ ስርሐን ከወሃህዳን ክዓብያን ይኽእላ ኢየን።

ንሎሚ ኣብዚ ክውድእ ኢየ። እቲ ዝቅጽል 10ይን ናይ መወዳእታን ክፋል፣ መጠቓለሊ ናይዚ ኣብ ዝሓለፈ ትሽዓተ ክፋላት ዘቕረብኩዎ ሓሳባት ከይኑ፣ ምስቲ ዝካየድ ፖሊቲካውን ጎነጻውን ቃልሲ፣ ተወሃሂዱ ክኸይድ ዘለዎ ናይ ሲቪክ ማሕበራትን ትካላት ፕረስን ክገልጽ ኢየ። ምኽንያቱ ንፍጻሜታት ተኸታቲሉ ናብ ህዝዚ ዘቕርብ ነጻ ፕረስን፣ ነቲ ዝቐውም መንግስቲ ብሓሳብ ዝሕግዛን፣ ንጉድለታቱ ተኸታቲለን ኣብ ሕጊ ዘቕርባን ናይ ህዝቢ ናይ ሲቪክ ትካላት ዘይብሉ ስርዓት፣ ውዒሉ ሓዲሩ ናብ ውልቀ-ምልኪ ዝኣቱ ምዃኑ ክበርህ ኣለዎ። ስለዚ ኣብ ዓሽራይን ናይ መወዳእታን ክፋል የራኽበና።

 

 

………….ይቕጽል

In-depth details on the Eritrean Defense forces operation for change (Operation Forto) – Part 2

$
0
0

In-depth details on the Eritrean Defense forces operation for change (Operation Forto)

Feb. 17. 2013

Part 2

Ambiguity, betrayal and mercenary of Esayas

Eseyas and his mercenary messengers’ General Sebhat and Brigder General Eyob (halibay) oath on the name of martyrs not to shoot towards the office of the president, by claiming that they too were also raising similar democratic demands. In one way they were doing their best to save Eseyas and on the other hand they were buying time in preparing a trap for the leaders of the operation. The moment they decided to leave the premises of the Ministry of Information, they were followed after and imprisoned with one forced to commit suicide than surrender.

Here it needs to be mentioned that there was an enduring enmity between the commander of mechanized staff Tsehaye Mokenen and colonel Wedi Ali. In 2000 Major-General Gherezgiher Ademariam (wuchu), under the influence of alcohol told to Wedi Ali that Tsehaye was planning to execute him by of accusing him as a member of Fiveth column, i.e Islamic movement that used to carry out military operation on the western lowlands of Eritrea. This was one of the reasons for Wedi Ali to decide to shoot him without hesitation, when Wedi Moke attempted to grab a gun from one of his body guards.

The meeting that was scheduled to be held on the premises of the Ministry of Information was suddenly changed to the office of the president. Not only the heads of the regional administrators, the president also called all his ministers for a meeting. This was intentionally done to use them as a cover for any eventuality in the showdown. Among the regional administrators Mr. Mustofa Nurhussien, administrator of southern region, failed to attend in the meeting excusing sickness.

Some individuals betrayed the organizers of the plot by leaking the information to the president beforehand and the situation was aggravated by the lack of communication between the different groups that were taking part in the operation. And this proved to be a decisive factor limiting the operation from achieving its intended objectives. The radio communication of the military leaders was under the control of the president’s office, and they had no other alternatives of communications at the time.

When it became clear that the president got information about the planned operation, some of the senior military leaders, who were supposed to play a role in the event, decided to remain neutral instead.

In spite of the betrayal by the generals and ministers, they have never sided on the side of the president either. It was General Sebhat Efrem, who turned out to work relentlessly to save the president from his ultimate demise. On that day, he was seen to get in and out the president’s office six, seven times. He went back and forth to Major-General Filipos Weldeyohannes office in Kehawuta five times. In addition, he went five, six times to the Kagnew station, were a special forces are stationed. He played an exceptional role to save the president from the imminent danger.

In spite of General Sebhat’s desperate efforts, Major-general Filipos Weldeyohannes never moved from his Kehawuta office during that day.

Starting from the last six months, Asmara residents were clandestinely hearing rumors that the generals will began challenging the president soon. The rumors were ‘under the direct leadership of General Sebhat, they were holding constant meetings’.

General Sebhat turned out, he was the one playing a leading role to defuse the situation in the president’s favor and it is now widely believed it was himself, who leaked about the secret operation to the president. Now all eyes of the public and the military leaders are aiming towards General Sebhat Efrem, possibly some would take revenge against him. This incident was his third betrayal in the decisive moments of the country’s history. Even though, he is practically frozen from his active duties as the commander of Eritrean Armed forces, his office Ministry of Defense is run via colonel Tesfaldet and Brigadier-general Tekle (Manjus). Hence, it is very puzzling to the public, why is he trying to defend the president at such a critical moment.

Eseyas, even though he knew that this movement was not carried out without the prior consent of the top military generals, fearing immediate reprisal, he is taking action against the law ranking officers and colonels for now. So far, up to sixty people are believed to have been imprisoned. Among the senior leaders only Mostofa Nurhusien, administrator of southern region and Abdela Jabir, head of organizational affairs of the ruling party PFDJ, who under under arrest at the moment.

(About the ongoing imprisonment, even though we have got some name lists, but we still lack some full names and other details, hence, we will post them as soon as we get more concrete information.)

ብበደዊን ሲናይ ከም ጅሆ ተሓይሮም ካብ ዘለዉ ኤርትራውያን፡ ብምቕጥቃጥን ሓዊ ምትኳስን ተሳቕዮም 3 መንእሰያት ከምዝሞቱ እቶም ኣብቲ ቦታ ተታሒዞም ዘለዉ ግዳያት ንኣሰና ሓቢሮም።

$
0
0

በቶም ነጋዶ ሰብ ዝኾኑ ጨካናት በደዊን ኣብ ሲናይ ጅሆ ተታሒዞም ኣብ ሓደ ማሕዩር ይሳቐዩ ኣስታት 30 ኤርትራውያን፡ ብምቕጥቃጥን ሓዊ ምትኳስን ተሳቕዮም፡ ሓንቲ ሕርይቲ ዝተባህለት፡ ኣብ ዚሓለፈ መደብ፡ “ድምጺ ስቅያት ካብ ሲናይ” መደብ ራድዮ ኣሰና ኣዛራሪብናያ ዝነበርና ካብ ሸገራብ ኣብ ድሮ ሓዱሽ ዓመት ዝተጨውየት ስንክልቲ (ቆራጽ እግራ) ጓልኣንስተይቲ እትርከቦም  3 መንእሰያት ኣብዚ ቐረባ መዓልታት ከምዝሞቱ ኣብቲ ቦታ ተታሒዞም ዘለዉ ሎሚ ምስ ድምጺ ኣሰና ዝተዘራረቡ ግዳያት ሓቢሮም።

እቶም ገንዘብ ክኸፍሉ ንምግዳዶም ብዝወረዶም ማሕረምቲ ዝሞቱ መሳኪን ኤርትራውያን ግዳያት፡-

ቢለናዮ ፡ ጋሽ ባርካ ዝዓዳ፡ ጓል 30 ዓመት፡ ሕርይቲ ሕሻል፡ ካብ ሳዋ ዝተጨውየ፡ ከሰተ ዝተባህለ ወዲ 22 ዓመት መንእሰይ፡ ከምኡ ‘ውን ካብ ሸገራብ ዝተጨውየ ወዲ 40 ዓመት ክብሮም እዮም።

ሕርይቲ፡ ቅድሚ ምዕራፋ፡ ኣብ ርእሲ’ቲ ዘውረዱላ ብርቱዕ ተኸታታሊ ማህረምቲ መልሓሳ ብላይተር (ሓዊ) ስለዘንደዱዎ ምዝራብ ኮነ መግቢ ምብላዕ ጸጊሙዋ ከምዝነበረ እቶም ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ኣገንዚቦም።

እቶም ብሞት ገሊኦም ድማ ነቲ ዝተባህሉዎ ዓሰርተታት ኣሽሓት ብምኽፋል ዝተጓደሉዎም ኣብዛ ሓንቲ ማሕዩር ሲናይ ዘለዎ ኤርትራውያን 33 እዮም ነይሮም። ብሕልፊ እቶም ፈጺሞም ዘይከፈሉ ግዳያት፡ ሞቶም ዘይተርፍ ምዃኑ ብምስትንታን፡ “ብኻ ኣቐዲምና ሜትና” ብምባል፡ ቅብጸተ ተስፋኦም ገሊጾም። ገለ ካብኣቶም ቅድሚ ሕጂ ዘዛራረብናዮም ስለዝኾኑ፡ ኣዝዮም ተዳኺሞም ኣብ ኣፍደገ ሞት ከም ዘለዉ ካብ ድምጾም ንምርዳእ ‘ውን ዘሸግር ኣይኮነን።

ንሳቶም፡ ዋላ ኣብ ኣፍደገ ሞት እንከለዉ፡ ካልኦት ኤርትራውያን ካብዚ ወሪዱዎም ዘሎ መዓት ክድሕኑ መጠንቀቕታ ከነመሓላልፈሎም ተላብዮምና። እዚ ግን ብተደጋጋሚ እነመሓላልፎ መልእኽቲ ኳ እንተኾነ ዛጊት ፋይዳ ኣይተረኽቦን። ስደትን ሞትን ኣይዓረፈን። ብቐንዱ እቲ ንኤርትራውያን ናብ ስደት ዘንፍጾም ዘሎ መሰረታዊ ሽግር ከይተፈትሐ፡ እቲ ኣብ ኤርትራ ባይታ ዝረግጽ ዘሎ ሕጊ ኣልቦነትን ስስዐን ከይተማሕወ፡ ብዓቢኡ ኣብ ኤርትራ ለውጢ መጺኡ ህዝቢ ከይቀሰነ፡ ኤርትራውያን ካብዚ ዘሕዝን ሽግርን ውርደትን ክንጋላገል ኣይኮነን ‘ሞ ሃየ፡ ግዜ ከይወሰድና ንድሕነት ህዝብና ንበገስ።

ክቡራት ተኸታተልቲ ኣሰና፡ ነዚ ብዝምልከት ዘዳለናዮ ብድምጺ ግዳያት ዝተሰነየ ጸብጻብ ኣብ ናይ ረቡዕ ድምጺ ስቅያት ካብ ሲናይ መደብና ተኸታተሉ።

ቅልዕቲ ደብዳቤ ናብ “ፕረሲደንት”ኢሳያስ ኣፍወርቂ

$
0
0

ቅልዕቲ ደብዳቤ፣-                                                                     ዕለት 15/02/2013

ናብ ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፍወርቂ ።-

ንሕና መቦቀሊና ሳሕል ዝኾነ ኤርትራውያን ብሰንኪ ዘይፍትሓዊን ኣረመንያውን መግዛእትኻ ሃገርና ኤርትራ ገዲፍና ኣብ ምብራቅ ሱዳን ማለት ፖርትሱዳን, ቶከርን ቃሮራን ከባቢኣን አንነብር፣ ገሊና ተጋደልትን ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝነበርና  ሃገራውያን ደለይቲ ለውጢ ኣቀዲምና ንፍጻሜ 21 ጥሪ ስርሒት ፎርቶ ናይ ህዝብን ሰራዊት ጠለባት ብምኻኑ  ከምእንድግፎ እንዳገለጽና እዚ ጠለብ ሽትኡ ስጋብ ዝበጸሕ ንቀጻሊውን ምስ ኩሎም ደለይቲ ለውጢ  ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻኣኢ (ብፍላይ ጅግና ሰራዊትና) ተሓባቢርና ክንቃለስ ብሽም ስዉኣት ቃል ንኣቱ።

እዚ ብዕለት 21 ጥሪ ዝተፈጸመ ስርሒት ፎርቶ በዞም ዝስዕቡ 4 ጀጋኑ፣-

  • ብ/ጀ ሳልሕ ዑስማን
  • ኮ/ ስዒድ ዓሊ (ወዲ ዓሊ)
  • ኮ/ ኣለም ግዝዋ
  • ኮ/ ኣብርሃም ገለዋን

ኣባላት ምኒስትሪ ምክልኻል መርሕነት፣ ተኻይዱ እካ እንተኾነ ተራ ወተሃደራትን ዓበይቲ ጀነራላት ዝሓቆፈ ብህዝቢ ምሉእ ድጋፍ ዘለዎ ስርሒት ኢዩ።

ከም ኣመልካ ፈላሊኻ ምግዛእን ኣብ መንጎ ቀቢላታትን ኣውራጃታትን  እተኣልሞ ዝነበርካ ውዲዳት ኩሉ ኣብቂዑ ሕጂውን ስልጣንካ ንምንዋሕ እዛ ሃገር ኣብ መንጎ እስላምን ክርስትያን ሁውከትን ግጭትን ንምፍጣር እዞም ታሪኾም ዝምስክረሎም  ሃገር ሓራ ዘውጻኡ ደልይቲ ለውጢ፣ እስላማውያን ጥርኑፋት ደቂ ሳሕል  እዮም ኢልካ ብመንገዲ ዕሱባትካ ትዝርግሖ ዘለኻ ሕሱር ፕሮባጋንዳ ሓቂ ንምምሳልውን ብርክት ዝበሉ  ተጋደልቲ እስላም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ እእቲኻ። ከምኡውን ንተጋዳላይ ዓብደላ ጃብር ብናትካ ትእዛዝ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክቅተል, ከምኡውን  ተጋዳላይ ሙስጣፋ ኑር ሕሴን  ናይ ጸቅጢ ደምን ሹከር ሕማም ስለዘለዎ ክሳብ ዝመውት ሕክምና ንከይዋሃቦ ታእዛዝ ከምዝተሓላለፍካ ካብቶም ብኣካል ምሳኻ, ብልቢ ምስ ህዝቦምን ሰራዊቶም ዘለዉ ደለይቲ ለውጢ ምንጭታትና ኣረጋጊጽና።

ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ 3 ግንባር ናደው ከም ምኽንያት ገርካ ኣብ ሳሕል ከተማ ኣፍዓበት ዓቢ ፈስታ ተዳሉ ከምዘለኻ ኣረጋጊጽና።  ነዞም ኣሲርካዮም ዘለኻ ጀጋኑ ደቂ ሳሕል ንስድርኦምን ኣንስቶምን ኣይትሻቀሉ እናበልካ ኣገዲድካ ጋይላ ክትስዕስዕ ንዕቀት ንደቂ ሳሕል ምኻኑ ርዱእ እዩ። ንሕና ብወገና ንሙሉእ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ንህዝቢ ሳሕል ብፍላይ ኣብ ኣፍዓበት ተዳልዮ ዘለኻ ዳስ ከይካፈሉ ጋስጋስ ነካይድ ኣሎና። እቶም ንሂወቶም ፈሪሖም ተገዲዶም ዝሳተፉ ሰባት ከም ዓወት ኣይትውሰዶ።

ንሕና ኤርትራውያን እስላምናን ክርስትያናን ከምቲ ሓደ ኢድ ኮይና ንኤርትራ ነጻ ዘውጻእና ሎሚውን ሓድነትና ኣደልዲልና ንለውጢ ብዘየወላውል መንገዲ  ኣብ ጎኒ ህዝበናን ተባዕ ሰራዊትና ኮይና ምሉእ ናይ  ምትሕብባር ክንገብር ኢና። ህዝቢ ሳሕል ጅግንነቱ ናይ ቀልሲ ታሪኹ ይምስክረሉ።

ከምቲ ኩሉ ኤርትራዊ ዝፈልጦ ኣብ ጊዜ ቃልሲ በሽም መንካዕ ጀጋኑ ምሁራት ደቂ ኣከለጉዛይ ከምዘጥፋእካ, ብሽም ትሕቲ ሃገራውነት ሃገር ነጻ ዘውጸኡ ገዳይም ተጋደልቲ (G15) ብዘይ ፍርድን ፍትሕን ኣሲርካ መብዛሕቲኦም ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ከምዝሞቱ ገርካ።

ቀንዲ ተልእኾ ናይዛ ቅልዕቲ ደብዳቤ፣ ስልጣንካ ንምንዋሕ ትኣልሞ ዝነበርካ (ብሽም ቀቢላን ኣውራጃን፣ ጀሆባን ፐንጠን፣ ኣስላምን ክርስትያንን) ተቃሊዑ እዩ። እዛ ሃገር ኣብዝያዳ ቅልውላው ከየእተኻ፣ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ስልጣንካ ነቶም ምሳኻ ዘለዉ ኣመንቲ ለውጢ ጀጋኑ ኣባላት ምኒስትሪ ምክልኻል ክተረክብ፣ ንሶምውን ሃገር ኣረጋጊኦም እሱራት ፈቲሖም ቅዋም ኣተግቢሮም ደሞክራስያዊ ለውጥን ህዝባዊ ምርጫ ከካይዱ።

                            ዓወት ንሓፋሽ

ካብ ሃገራውያን ደልይቲ ለውጢ-ሱዳን                                                                                                           እዚ መልእኽቲ’ዚ ብቐጥታ ናብ ኢሳይያስ ድሮ ተላኢኹ እዩ።

 

ሌላ ምስ ከፊላዊ ምስሊ ሚኒስትሪ ዜና “ህግደፍ” 8ይ ክፋል

$
0
0

ሌላ ምስ ከፊላዊ ምስሊ ሚኒስትሪ ዜና “ህግደፍ” 8ይ ክፋል

 ጭዉያ ኣቓልቦ ህዝቢ ብጉልባብ “ግዳማዊ ተጻብኦ”

ሓደ ካብ ቀንዲ ተልእኾታት ሚኒስትሪ ዜና፤ ኣቓልቦ ህዝቢ ንግዳም ከም ዝግዕዝ ምግባር እዩ። “ሕቘን ከብድን ኮይኑ ንዘሎ ህዝቢን ስርዓትን ምቅርራብ” ብዝብል ብሉይ ሜላ “ማሕበረሰብ ዓለም እናዘረየና’ሞ እንታይ ዘይገበርና!?” ዘስምዕ ቃና ዘለዎ ትሕዝቶታት ኣብ ኣየርን ሕትመትን ይዉዕል። ህዝቢ ኤርትራ፡ “ሲ.ኣይ.ኤ.ን ምምሕዳራት ኣሜሪካን” ብዝብሉ ቃላት ደንቊሩ ኣሎ። ስርዓት “ህግደፍ” ንኣሜሪካ ናይ መትከል ጸላኢት ህዝቢን ሃገርን ኤርትራ ገይሩ ብምቕራብ ጠንቂ ኩሉ ሽግራት ኤርትራ ሲ.ኣይ.ኤ.ን ኣሜሪካን ምዃኖም ክነግረና ይደሊ። ሲ.ኣይ.ኤ ንኤርትራ ናይ ምብታን መደብ እንተሃልይዎ ካብ ኢሳያስ ዝበልጽ መሳርሒ ክረክብ ኣይክእልን። ምኽንያቱ ኢሳያስ ነቲ ሃይለስላሰን ደርጊን ፈቲኖም ዘይከኣሉዎ ምብታን ህዝቢ ኤርትራ ንሱ መሊኽዎን ተዓዊቱሉን እዩ። ጸላኢና ኣብ ኣፍንጫና ዘሎ ኢሳያስ እምበር ኣብ ስግር ባሕሪ ዘሎ ላንግሊን ሲ.ኣይ.ኤ.ን ኣይኮኑን። እቲ ሓቂ እዚ ክነሱ ግን መራሒ ስርዓት ህግደፍ፡ ንነፍስ-ወከፍ ቃለ-መሕትት ዘካይደሉ ኣጋጣሚ ንምዕራባዊ ዓለም ብሓፈሻ ንኣሜሪካ ድማ ብፍላይ ንምዉንጃል ይጥቀመሉ።  ኣብ ውሽጢ ኤርትራ መልሲ ዘይረኸበ ማእለያ ዘይብሉ ሕቶታት እናሃለወ፡ ኣብ ክንዲ ውራይ ገዝኡ ዝገብር ብዛዕባ ህሉዉ ዞባዊን ዓለማዊን ኩነታት ዝንቡዕ ትንታነ ንምሃብ ጸደፍደፍ ይብል። ዕላማኡ ድማ ኣቓልቦ ህዝቢ ናብ ደገ ጨዊኻ ዕምሪ ስልጣን ምንዋሕ እዩ። ዉልቀ-መላኺ ኢሳያስ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ዘተኮረ ሕቶታት ክምልስ ሕልናዊ ቅሩብነት የብሉን። ምኽንያቱ ኣብ ኤርትራ ወሪዱ ዘሎ ሽግርን መከራን ንሱ ዝመርሖ ስርዓት ዝፈጠሮ (ሰብ-ሰርሖ) እምበር ባህርያዊ ሽግር ኣይኮነን።

(ዓመተ 2011 ተዛዚሙ 2012 ኣብ ምእታዉ ኢሳያስ ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት ምስ ቴሌቪዥን ኤርትራ ኣብ ዘካየዶ ቃለ መሕትት ዝቐረበትሉ ቀዳመይቲ ሕቶ ትዝክርዋ? ኣነዉን ንትሕዝቶ እታ ሕቶ እምበር ነታ ሕቶ ቃል ብቓ ኣይዝክራን። እንተረሲዕኩማ ግን ባዕለይ ንትሕዝቶኣ ከዘኻኽረኩም። እታ ሕቶ፦ ሕብረት ሶቭየት ፈሪሳ ዓለም ኣብ ትሕቲ ምልኪ ሓንቲ ርእሰ ሓያል ንኽትወድቕ ዝገበረ ምኽንያት እንታይ እዩ ነይሩብል ነበረ። እዚ ቃለ መሕትት እዚ ኣብ ፈነወ ቅድሚ ምዉዓሉ ፕረዚደንት ቃለ መሕትት ክገብር እዩእናተባህለ ብሚኒስትሪ ዜና ዝቃላሕ ዝነበረ መወዓዉዒ ኢሳያስ ኣብ ምምሕያሽ መነባብሮ ህዝቢን ሰራዊትን ዘተኮረ ሕቶታት ከም ዝምልስ ዝሕብር ነበረ። ብተደጋጋሚ ጥልመት ኢሳያስ ዘይቀበጸ ብዙሕ ህዝቢ በቲ ናይ ሚኒስትሪ ዜና መወዓዉዒ ሕቶታቱ ክምለሰሉ ብዙሕ ትጽቢት ኣንቢሩ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ጉዳይ ምፍራስ ሕብረት ሶቭየት ቀዳመይቲ ሕቶ ኮይና ክትቀርብ ዝተደልየሉ ምኽንያት ንህዝቢ ኣብ ዘይምልከቶ ኣጀንዳ ኣእቲኻ ከም ዝህዉትት ምግባር ነበረ። መቸም ሕብረት ሶቭየት ካብ ትፈርስ ልዕሊ 20 ዓመት ጌራ’ላ ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ሓቂ’ዚ ቅድሚ 20 ዓመት እዩ ዝፈልጦ። እሞኸ ደኣ እንታይ ሓድሽ ነገር ስለዝተፈጥረ እዩ ኢሳያስ ብዛዕባ ሶቭየት ክምድር ደልዩ!? እምበርህዝቢ ኤርትራ ጭቈና ኢሳያስ መሪርዎ ኣብ ግዜ መግዛእቲ ርእይዎ ዘይፈልጥ ስደት እናተሰደ እንከሎ፣ ምፍራስ ሕብረት ሶቭየት ኣብዚ እዋን ኣጀንድኡ ድዩ?)

ኢሳያስ ብዛዕባ ምርጫ….ኣብነት ጭዉያ ኣቓልቦ

ንምርጫ ብዝምልከት፡ ዉልቀ-መላኺ ኢሳያስ ኣብ እዋን ቃለ-መሕትት፡ “ኣሜሪካ ካብ ንዓና ምርጫ ግበሩ እናበለት ተወጣውጠልና  ግዳ ነተን ከም ብዓል ቐጠርን ስዑድያን ዝኣመሰላ ብንጉሳዊ ቤተሰብ ዝመሓደራ መሓዙታ ምርጫ ግበራ ኢላ ዘይተገድደን?” ክብል ብተደጋጋሚ ይስማዕ። ግደ ሓቂ ንሕና ኤርትራዉያን ብዛዕባ ስዑዲያን ቐጠርን እንታይ ይምልከተና? ኣብ ኤርትራ ንምንታይ ምርጫ ኣይግበርን እንተድኣ ተባሂሉ ምርጫ ንኸይግበር ዝዕንቅጽ ዘሎ ምኽንያት ጥራይ እዩ ክሕበር ዘለዎ። ደሓር ከኣ ምርጫ ክንገብር ዘለና’ኮ ኣሜሪካ ስለዝበለትና ዘይኮነ ከም ህዝቢ ምርጫ ስለዘድልየና እዩ። ናይ ስዑድያ፡ ቐጠርን ካልኦት ሃገራት ማእከላይ ምብራቕን ኣብነታት ምምጻእ ኣይጠቕመናን። ካብኡ ዝተረፈ ግን  “ኣሜሪካ ስለምንታይ እያ ዘየድልየና ነገር ክንገብር ተገድደና ዘላ?” ኢልካ ምምዳር ጣቋ ዘለዎ ዘረባ ኣይኮነን። ኢሳያስ ንሕቶ ምርጫ ብቑዕ መልሲ ክህበሉ ስለዘይክእል፡ ብቑዕ መልሲ ናይ ምሃብ ክእለት ዘለዎ መራሒ’ዉን ስለዘይኮነ ነዚ ሕቶ’ዚ ብኸምዚ ኣገባብ ኣመሳሚሱ ክሓልፎ እዩ ዝደሊ።

ሚኒስትሪ ዜና ኣብ ዘመሓላልፎ መልእኽቲ ምርጫ ማለት ዕግርግርን ዝርገተ ሰላምን ከም ዝኾነ ገይሩ ይጉስጉስ። ክንዲ ምርጫ ንዝኣክል ደሞክራስያዊ መሰል ብኸምዚ ኣቈናጺቡ የቕርቦ። ነቲ ከመሓላልፎ ዝደሊ መልእኽቲ መእመኒ ክኾኖ ድማ ኣብ ገለ ሃገራት ኣብ እዋን ምርጫ ንዝፍጠር ዕግርግር ከም ኣብነት እናምጽአ “ኣብ ሃገርና ምርጫ እንተተኻይዱ ከምዚ ትርእይዎ እዩ ከጋጥም” ዘስምዕ መደባት የቃልሕ። ሳንዱቕ ምርጫ ሳንዱቕ ሬሳ ከም ዘምጽእ ንህዝቢ ከእምን ሊፍ ይብል። ኣብ ናይ 2007 ምርጫ ኬንያ ንዝተፈጥረ ነዉጺን ምፍሳስ ደምን ኤሪ ቲቪ ብኸመይ ከም ዘቃልሓቶ ንዝክር ንኸዉን ኢና። ዘስተዉዕል ልቦና ንዘለዎ ሰብ ግን እዚ ማለት “ሕማቕኩም ኣይትጽልኡ ካብኡ ዝኸፍእ ከይመጸኩም” ማለት እዩ። ብኻልእ ወገን ከኣ ሕብረተሰብ ኤርትራ ይትረፍ ኣብዚ 21 ክፍለ ዘመን ኣብ 1940ታት እኳ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ዝነበርኦ ህዝቢ ክነሱ፡ ገና ንፖለቲካዊ ብዙሕነትን ምርጫን ዝጻወር ደረጃ ምዕባለ ዘይበጽሐ ህዝቢ እዩ እናተባህለ ብማዕከናት ዜና “ህግደፍ” ክዝለፍን ዘይምስሉ ክወሃቦን ምስማዕ ኣመና ዘሕዝን’ዶ ኣይኮነን!

(እንዳ ህግደፍኣብ እዋን ምርጫ ንዘጋጥም ዕግርግር እናሃደኑ ጥራይ ኣይኮኑን ብመስኮት ኤሪ ቲቪ ዘርእዩና። እንተኽኢሎም ኣብ ናይ ጎረባብቲ ሃገራት ምርጫ ህዉከት ንምፍጣር እዉን እዮም ከይደቀሱ ዝሓድሩ። ንኣብነት ኣብ 2010 ኢትዮጵያ ምርጫ ንምክያድ ትሸባሸብ ኣብ ዝነበረትሉ ግዜ ማዕረ ዕረ እቲ ምርጫ ዝኸይድ ዓሌታዊ ፕሮፖጋንዳ ክንዛሕ ስለዝተደልየ ብመሰረት መምርሒ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ኣብ ሚኒስትሪ ዜና ሓንቲ ናይ ጸሓፍቲ ኮሚተ ተመስረተት። ነታ ኮሚተ ብላዕሊ ኮይኖም ዝመርሕዋ ሓለፍቲ (መኩርያ ወልዱ፤ ሰለሙን በርሀ፤ ግርማይ በርሀ፤ ኢሳቕ መሓሪ) ድማ ተመደቡ። ነቲ ምርጫ ብኣካል ንምዝራግ ናብ ዉሽጢ ኢትዮጵያ ዝተላእኩ ዕጡቓት ተቃወምቲ ዉድባት ኢትዮጵያ ከም ዝነበሩዉን ብወረ ወረ ምስማዕና ኣይተረፈን። እቲ ፕሮፖጋንዳዊ ምድላዋት እናቐጸለ እንከሎ ሓደ ኣባል ናይታ ኮሚተ ጸሓፍቲሓደ ምሸት ኣብ ክለብ እንዳ ዜና ምስ መሳርሕቱ እናተዘናገዐ እንከሎ ሞሊቕዎ፡ ሰብኡት እንተኾይኖም ምርጫ እንዳማቶም ንምዝራግ ካብ ዝሰርሑ ግዳ ኣብዚ ዓዲ ምርጫ ይገበር ኢሎም ዘይማጎቱ!?” በለ። እታ ዘረባ ንጽባሒቱ ንግሆ ኣብ ዝኒ መኩርያ ወልዱ ምስ በጽሐት እቲ ከምኣ ዝበለ ኣባ ተጸዊዑ ካብታ ኮሚተ ከም ዝተባረረ ምስናይ መጠንቀቕትኡ ተሓበሮ። ዕድመ ንዓሊ ዓብዱ እንዳ ዜና ብልምዲ ቼልሲእናበልና ንጽዉዖም ሓሰዉቲ ከም ፍልሖ ዝበዝሑሉ ትካል እዩ። ኣፍካ ዝሃበካ ሃህ ኢልካ ምዝራብ ኣብ ሓደጋ የእትወካ)

*    *    *

እንዳ “ህግደፍ” ከምቲ ኩሉ ግዜ ዝገብርዎ ህዝቢ ከይሓበሩ ኣብ ሶማል ስቱር ወተሃደራዊ ምትእትታዉ ድሕሪ ምግባሮም ኣብቲ ናይ ፍሽለት ዉራይ ዝተማረኹ ጋዜጠኛታቶም ብመስኮት ቴሌቪዥን ኢትዮጵያ ተቓሊዖም ነቲ ጉዳይ ዓለም ብዓለሙ ምስ ፈለጦ፤ ህዝቢ ኤርትራ ዜና ፍሽለቶም መታን ከይሰምዕ ነቶም ምሩኻት ብወግዒ ኽሒዶም ኣብ ዉሽጢ ሃገር ኣቓልቦ ህዝቢ ዝሰርቕ ሓድሽ ዉራይ ኣዳለዉ። እቲ ዉራይ ብሚኒስትሪ ዜናን ሚኒስትሪ ትምህርቲን ብዙሕ ተኣንጎት ተሸብሸብ ዝተባህለሉን ኣብ ከተማ ምጽዋዕ ዝተቓንዐን ዋዕላ መምሃራን ነበረ። ሚኒስትሪ ዜና ነቲ ብደረጃ ሃገር ዝተወደበ ናይ ተዋስኦ ዋዕላ፤ ጋዜጠኛታት ብኮሚተ ወዲቡ ሓያል ጎስጓስን ናይ ሚድያ ሸፈነን ገበረሉ። እቲ ከም በዓል ሃማደኤ፤ ሃማመተኤ፤ ሃኮሰኤ ዝበሃላ ስማዉያም ማሕበራት ብስም መምሃራን ዝተመስረተ ስማዊ ማሕበር መምህራን እዉን ኣካል ናይቲ ተዋስኦ ኮይኑ ቀነየ። ኣብቲ ኣጋጣሚ ዋና ጸሓፊ “ህግደፍ” ኣቶ ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድን ጀነራል ስብሓት ኤፍሬምን ናይ ክብሪ ዕዱማት ኮይኖም ብትሕዝቶ ዝደኸየን ብኣጉል ፍልስፍናታት ዝተቐናጀወን “መጽናታዊ ወረቓቕቲ” ብምቕራብ ነቶም ዋዕለኛታት ተወራዘዩሎም።

ዕላማ እቲ ዋዕላ ከምቲ ዝተባህለሉ ነቶም ተዘኪሮም ዘይፈልጡ መምሃራን ኤርትራ ክብሪ ሂብካ ብምትብባዕ ጽሬት ትምህርቲ ምርግጋጽ ኣይነበረን። ኣብ ሃገርና ደኣ’ሞ ክብሪ መምሃራን ምስ ሞተ እንድዩ ትምህርቲ ሞይቱ። ክብሪ ሞያ መምህርና ማዕረ ክንደይ ባይታ ዘቢጡ ከም ዘሎ ምክትል ኣካዳምያዊ ጉዳያት ኢንስቲትዩት ቴክኖሎጂ ኤርትራ ዶክተር ገብረብርሃን ኣብ 2009 ንተማሃሮ ቤት ትምህርቲ ዋርሳይ ይከኣሎ ሳዋ ኣኼባ እናካየደሎም ከሎ ብዘየወላዉል ቃላት ገሊጹሎም ኢዩ። ከምዚ ዝስዕብ ብምባል፦ “ንሎሚ ዓመት ተታሒዙ ብዘሎ ፍሉይ መደብ መሰረት፡ ካብቶም ሎሚ ዘበን ማትሪክ ትሓልፉ ንመብዛሕትኹም ናብ ኮሌጅ መምሃራን ክንምድበኩም ኢና። እቲ ምኽንያት ናይ ዓቕሚ ሰብ ሃጓፍ ዘጋጥመና ዘሎ ኣብ ሞያ መምህርና ስለዝኾነ እዩ።” ኣስዒቡ ከኣ ዶክተር ገብረብርሃን “ኩልኹም መምህር ምዃን ከም ዘይትፈትው ይርደኣኒ እዩ፡፡ ኣብዚ እዋን ሞያ መምህርና መውስቦ ዝኽልክል ሞያ ኮይኑ ከም ዘሎ ርዱእ እዩ” በለ። ነዚ ምስክርነት እዚ ዝህብ ዘሎ እቲ ስርዓት ባዕሉ ኣብ ስልጣን ኮፍ ዘበሎ በዓል ስልጣን ካብ ኮነ ብዛዕባ ኣብ ሃገርና ዝረአ ዘሎ ምንቁልቋል ክብሪ ምምህርና ተወሳኺ ጭብጢ ምቕራብ ዘድሊ ኣይመስለንን። ኣብ ሕብረተሰብ ኤርትራ መምህር፤ ደቂ መምህር፤ ሰበይቲ መምህር፤ ከመይ ዓይነት ክብሪ ከም ዝነበሮም ንዝክሮ ኢና። ሕጂ ድማ ዕድመ ንስርዓት ህግደፍ ሞያ ምምህርና ኣብ ከምዚ ደረጃ ወዲቑ ይርከብ። እንዳ “ህግደፍ” ግን ንኸምስሉ ብስም ማሕበር መምህራን ዋዕላ ወዲቦም ንመምህራን ማእለያ ዘይብሉ ዘይትግበር መብጽዓታት ኣተዉሎም።

ትዕዝብቲ ሓደ መዓልቲ ኣብ ሆቴል ኣስመራ ፓላስ

እዋኑ ብምኽንያት ጽንብል መበል 20 ዓመት ናጽነት ንሓሙሽተ ተኸታታሊ ኣዋርሕ ብኹለን ሚኒስትሪታት ዝተኻየደ ናይ ተዋስኦ ሲምፖዝዩም ክዛዘም ዝቐረበሉ ቅንያት ነበረ። እቲ ሲምፖዝዩማት ብናይ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሲምፖዝዩም እዩ ተዛዚሙ። እቲ ኣብዚ ከስፍሮ ደልየ ዘለኹ ትዕዝብተይ ድማ ሲምፖዝዩም ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ብወግዒ ክኽፈት ከሎ ናይቲ ዕለት ሪፖርተር ኮይነ ዝረኣኽዎ እዩ። ኣብቲ ናይ መኽፈቲ ጽንብል ካብ ዝቐረቡ ትሕዝቶታት ሓደ፤ ናይ 20 ዓመት ጉዕዞ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ዝገልጽ ስእላዊ ኤግዚቪሽን ነበረ። ኩልና ተሳተፍቲ ነቲ ኣብ ዓበይቲ ፍሬማት ተሰቒሉ ዝነበረ ናይ ሰበስልጣን ኣሳእል እናተዘዋወርና ኣብ ዝተዓዘብናሉ፤ ኣሳእል ናይ ክልተ ኣጸቢቕና እንፈልጦም ነቲ ሚኒስትሪ ዝመርሑዎ ሰበስልጣን ደሊና ሰኣንና።

ሃይለ ወልደ’ንስአ /ድሩዕ/ ነዚ ሚኒስትሪ’ዚ መሪሕዎ’ዩ። ጴጥሮስ ሰለሙን’ዉን መሪሕዎ’ዩ። ኣሳእል ናይዞም ክልተ ሰበስልጣን ነበር ግን ንፈዉሲ ማሕላ’ኳ ኣይነበረን። ብኣንጻሩ ስእሊ የማነ ገብረኣብ በዚሑን ደሚቑን ይረአ ነበረ። ህዝቢ ኤርትራ ንየማነ ገብረኣብ ከም ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍ እምበር ከም ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣይፈልጦን እዩ። ገለ ገርሀኛታት ተዓዘብቲ ነገራቱ ኣስደሚምዎም፡ “ጉዕዞ 20 ዓመት ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ዝገልጽ ኤግዚቪሽን እዩ ኢሎም ኣቕሪቦምልና ከብቅዑ ስለምንታይ ደኣ’ሞ ሓደ ክልተ ኣሳእል ናይ ሚኒስተር ዑስማን ሳልሕ፡ ሓደ ክልተ ኣሳእል ናይ ዓሊ ሰይድ ዓብደላ ጥራይ ገይሮም ዝበዝሕ ኣሳእል የማነ ገብረብ ሰቒሎም የርእዩና ኣለዉ?” እናበሉ ጉሪምሪም በሉ።

በቲ ናይ ስእሊ ኤግዚቪሽን ክሓልፍ ዝተደልየ መልእኽቲ ነይሩ። ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ናይ ብሕቲ ንብረት የማነ ገብረኣብ ከም ዝኾነት! ፖለቲካዊ መሃንድስ ናይ’ዛ ትካል እዚኣ ንሱ ከም ዝኾነ! ዘይወግዓዊ ሚኒስተራ እዉን ንሱ ምዃኑ! እቶም ካልኦት ባምቡላታት ከም ዝኾኑ!

የማነ ገብረኣብ፤ ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ፤ ኣምባሳደራት ናይ ምሻም ስልጣን’ኳ እንተዘይብሉ ዝሽየሙ ኣምባሳደራት ናይ ምርቋሕ ወይ ምሕጻይ ስልጣን ከምዘለዎ ግን ንፈልጥ ኢና። ሚኒስተር ዑስማን ሳልሕ ባምቡላ ምዃኑ ዘተሓትት ኣይኮነን። የማነ ገብረኣብ ኣብቲ ሚኒስትሪ ዝጻወቶ ተራ ብዘይቀጥታዊ መንገዲ ወግዓውነት ክለብስ ስለዝተደልየ ግን ኣብ’ቲ ኤግዚቪሽን ኣሳእሉ ብብዝሒ ከም ዝረአ ተገብረ።

ኣብቲ እዋን ነቲ ኤግዚቪሽን ርእየ ካብቲ ኣዳራሽ እናወጻእኩ ከለኹ ኣብቲ ኣፍደገ ኣጋጣሚ ንሓደ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ መማህርተይ ዝነበረ ኣባል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ረኸብኩዎ’ሞ ተጣፊእና ስለዝነበርና ተሓቛቚፍና እናተሰዓዓምና ከለና ኣብ ጉንዲ እዝኑ ለጊበ “ጉዳም ኤግዚቪሽን ርኢና!” ኢለ ሕሹኽ በልክዎ። ካብ ፍሽኽታ ዝሓልፍ ግብረ መልሲ ግን ኣይሃበንን። እቲ ወዲ ኣባል ኣሰናዳኢት ኮሚተ ናይቲ ኤግዚቪሽን ነበረ።

ብዘይካ’ቲ ኣብ ላዕሊ ዘስፈርኩዎ ትዕዝብተይ፤ ዝያዳ ኹሉ ዝገረመኒ ሓደ ካልእ ትዕዝብቲ ነበረ። ኣብቲ ናይ መኽፈቲ ስነ ስርዓት ዝተሳተፈ ታእዛዝ ኣብርሃ (ዕንዱኩር) ዝተባህለ ሓደ ካብ ሓለፍቲ ሚኒስትሪ ዜና፤ ንኣምባሳደር ሃና ስምኦን ብኢዱ ምልክት ገይሩ ጸዉዓ’ሞ ካብ መንጎ እቲ እኩብ ሰብ ፍልይ ኣቢሉ “እንታይ እየ ዝርኢ ዘለኹ” ብዘስምዕ ናይ ምልክት ቋንቋ ተወከሳ። ኣምባሳደር ሃና ኣጻብዕታ ናብ ኣፋ ኣልጊባ ንሳ’ዉን ብምልክት ስቕ ክብል ሓበረቶ። በቲ ድፍረቶም ኣብ ክንድኦም ስለዝፈራሕኩሎም ነቲ ብምልክት ዝገበርዎ ሓጺር ዝርርብ ብዘይካይ ዘስተብሃለሉ ካልእ ሰብ ከይህሉ የማነ ጸጋመይ ቁሊሕ ምሊሕ በልኩ። ኣነ ጥራይ ከም ዝረኣኹዎም ግን ርግጸኛ ክኸዉን ኣይከኣልኩን። . . . . . . . ዝኾነ ኾይኑ ኣምባሳደር ሃና ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ፈረንሳ ዝነበረት ኮይና ሕጂ ግን ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሓላፊት ጉዳይ ዲያስፖራ ኮይና ትሰርሕ ዘላ እያ፡፡ እቲ ንዓዓ ኣብ ማእከል እቲ እኩብ ህዝቢ ብምልክት ዘዛረባ ሰብ ከኣ ኣብ ሚኒስትሪ ዜና ሓላፊ ጨንፈር ስእሊ ኢዩ።

ኣብ ሚኒስትሪ ዜና ናይ ቀረባ ሓለፍተይ ዝነበሩ ሰባት ብዙሕ እዋን፤ “ኢሳያስ’ኮ ብርእሲ የማነ ገብረኣብ እዩ ነዛ ሃገር ዘመሓድራ ዘሎ!” እናበሉ ንየማነ ክንእድዎ እሰምዕ ነበርኩ። ነቲ ኣበሃህላኦም ብዉሽጠይ ክትንትኖ ከለኹ፡ የማነ ርእሲ ይሃልዎ ኣይሃልዎ፤ እታ ናቱ ርእሲ መንበር ሓደ ዉልቀ ሰብ ንምሕላዉ እተገልግል ርእሲ’ዶ ኣይኮነትን!? ህዝቢ ኤርትራ ካብ ርእሲ የማነ እንታይ ክጥቀም ኢና’ሞ ርኢና!?” ደሓር ከኣ ኢሳያስ ርእሲ የማነ ተጠቒሙ እዩ ሃገር ዘመሓደር ዘሎ ክንብል ከለና እምበር’ከ ናይ ብሓቂ ኤርትራ ትመሓደር ኣላ ኢልና ንሓስብ ኣለና ማለት ድዩ?…ወዘተ ዝብሉ ሕቶታት ኣብ ኣእምሮይ ይመላለሱ ነበሩ።

ታሽዓይ ክፋል ይቕጽል…

ኣማኑኤል ማህደረ

(iamamanuel@yahoo.com)

 

 

 

ኣብ ጅዳ ንጥፈታት ሓዋላ ስርዓት ኢሳይያስ ዘሳልጥ ዝነበረ መጋበርያ ዓብደልሓይ ዓብደልቓድር ብ ጸጥታ ስዑዲ ዓረብ ተኣሲሩ።

$
0
0
ኣብ ጅዳ፡ ስዑዲ ዓረብ፡ ካብ ምሉእ ዓለም ዶላራት ን ዲክታተርያዊ ስርዓት ኢሳይያስ ብምቕባል ዘይሕጋዊ ንጥፈታት ሓዋላ ዘሳልጥ ዝነበረ መጋበርያ  ዓብደልሓይ ዓብደልቓድር፡  ትማሊ ምሸት ብ ፖሊስ ስዑዲ ዓረብ ተታሒዙ ኣብ ማእሰርቲ ተዳጕኑ ከምዘሎ ምንጭታት ኣሰና ካብ ጅዳ ሓቢሮም። ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ፡ ቤትስፍየት ዙርያታት ዘለዎ ዓብደልሓይ ዓብደልቓድር፡ ካብቲ ኣብ ዔንፊሽ፡ ሻርዕ ትግራይ ዝብሃል … more

ማሕበር ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ ቤይ ኤርያ ተሸሊሙ

$
0
0

EYSC-Bay Area አብነት አፍሪቃውያን መንእሰያት ተባሂሉ ሽልማት UBUNTU ረኺቡ። እዚ ሽልማት እዚ ዓመታዊ ብፓን አፍሪቃ ማለት (Priority Africa Net work) ዝዳለው ኮይኑ ንህቡባት ማሕበራትን ዉልቀሰባትን ዝወሃብ እዩ። ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ ቤይ ኤርያ ነዚ ሽልማት ክበቅዕ ዝኸአለ አብ ሃገርና ቅዋማዊ መንግስቲ ንኽሰፍን ንዘካይዶ ዘሎ ዘይሕለል ጻዕርን ከምኡውን ንስደተኛታት ኤርትራውያን ንምሕጋዝ ዝገብሮ ዘሎ ሓያል ስራሕን እዩ። እዚ ካብ ዝምስረት 10 ዓመት ዘቑጸረ ፓን አፍሪቃ ጉዳይ አህጉር አፍሪቃ ቀዳሚ አጀንድኡ ብምግባር ይነጥፍ። ፓን አፍሪቃ ብዙሓት ወለንተኛታት ዘለዉዎ ማሕበር ኮይኑ አብ ምሕጋዝ አፍሪቃውያን ስደተኛታት፡ አብ ምምሕያሽ ትምህርቲ ንአፍሪቃውያን ስደተኝታት ከምኡ’ውን አፍሪቃውያን ደቂ አንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን አብ ጉዳይ አፍሪቃ ናይ መሪሕነት ተራ ክጻወቱ ዝጽዕር ማሕበር እዩ።

ብተወሳኺ ፓን አፍሪቃ አሜሪካውያን ብዛዕባ አፍሪቃ ሚዛናዊ ስእሊ ንኽህልዎም ዘይተሓለለ ጻዕሪ የካይድ። አብዚ ናይ 16 ለካቲት በዓል አዝዮም ፉሉጣት አብ ጊዜ አፓርታይድ ዘይሕለል ጻዕርታት አካይዶም ንዓሌታዊ ስርዓት ደቡብ አፍሪቃ ንኸብቅዕ ዝገበሩ ተጣበቕቲ ሰብአዊ መሰላት ተረኺቦም ኔሮም። ማሕበር ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ አብ ከምዚ ዝዓይነቱ ዓቢ መድረኽ ቀሪቡ ሽልማት ምውሳዱ ብርግጽ ንኹሉ አብ ሙሉእ ዓለም ዘሎ ደላይ ለውጢ ኤርትራዊ ሞራልን ፍናንን ቃልሲ ዘበራበረ አብነታዊ ሽልማት ክበሃል ይከአል።

እዚ ስራሕ ዝመለልይኡ አብ ጓል መገዲ አቲኻ ሓሸውየ ምልሃይ ንእነካይዶ ዘለና ሃገራዊ ዕማም ከምዘይሕግዝ ብትሪ ዝአምን ማሕበር ሕጅ’ውን ደጊሙ ሓበን ህዝቢ ኤርትራ ንምዃን በቒዑ ንረኽቦ። ኤርትራውያን ነበርቲ ቤይ ኤርያ እዚ ካብ እግሪ ተኽሉ ተኸናኺኖምን ሓብሒቦም ዘደራጀዉዎ ማሕበር ከምዚ ዝዓይነቱ ሽልማት ምውሳዱ ክሕበኑ ይግባእ። እዚ ናይ ትማሊ ሽልማት ንደለይቲ ለውጢ ኤርትራውያን ጥራይ ዘይኮነስ ነቶም ሓቂ ንኸይሰምዑ እዝኖም ዝዓጸው ደገፍቲ ህግደፍ እውን እንተኾነ ንጹር መልእኽቲ ዘመሓላለፈ ኔሩ ክበሃል ይከአል። እተን ብስም ኮሙኒቲ ሓዋላ ገንዘብን ክልተ ካብ ሚእቲ (2%) እንዳበላ ዕማማት ህግደፍ ከሰላስላ ዓሰርተታት ዓመታት ዘቑጸራ ናይ ለይቲ ለይቲ አብያተ መስተ (ሰክሬቶ) ቤት ጽሕፈታት ህግደፍ አንኳይዶ ከምዚ ዝዓይነቱ ሽልማት ክረኽባስ ከምዘለዋ እውን ዝፈልጥ እቲ ብሽግር ዝኸደን ኤርትራዊ ጥራይ እዩ።

አብዚ ዝተኻየደ ናይ ሽልማት መዓልቲ ንማሕበርና ሓዊስካ ካልኦት ቡሉጻት ስራሕ ብምስራሕ ዝተሸለሙ እዞም ዝስዕቡ እዮም። አይቮሪኮስታዊ ጋዜጠኛ ራድዮ KALW አዳላዊ African mix for African Diaspora አማኑኤል ናዱ፡ ተመራማሪት ታሪኽ ጸለምቲ አፍሪቃውያን ጸላም አሜሪካዊት ዶ/ር ሲሪ ብራውን ከምእ’ውን ማሕበር ስነ ጥበብ ኮንጎ ማሎንጋ ካስከሎርድ (Malonga Casquelourd) ብዝገበሮ ብሉጽ ስነጥበባዊ ስርሓት ክሽለሙ በቒዖም።

አብቲ ናይ ሽልማት ምሸት አዝዮም ህቡባትን ፍሉጣትን ብዙሕ ጽልዋ ዘለዎም ተጣበቕቲ ሰብአዊ መሰላት ምስ አባላት ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ ተራኺቦም ድሕሪ ምዝታይ ብዝተፈላለየ መንገድታት ምስ ማሕበርና ክተሓጋገዙ ቁሩብነቶም አርእዮም። ንኩነታት ፖለቲካን አተሓሕዛ ሰብአዊ መሰላትን አብ ኤርትራ ዝምልከት ብአባላት ማሕበር ዕሙቕ ዝበለ ሓበሬታ ነቶም ጉዱሳት ተዋሂቡ። አብ መዛዘሚ ህብብቲ ደራፊት አይቮሪኮስታዊት ፈሊ ትቻኮ (Fely Tchaco) ንዕዱማት አጋይሽ መሳጢ ምርእይት አቕሪባ።

ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ(EYSC)- ቤይ ኤርያ        

IT IS TIME TO BREAK THE SILENCE : Memoradum Handed Over to the Speaker of the National Assembly of South Africa

$
0
0

MEMORANDUM HANDED OVER TO:

Mr. Max Vuyesle Sisulu, Speaker of the National Assembly of South Africa

Mrs. Maite Emily Nkoana-Mashabane, Minister of International Relations and Cooperation 

18 FEBRUARY 2013 

IT IS TIME TO BREAK THE SILENCE 

In our country, Eritrea things are going from bad to worse.

 

THIS IS AN APPEAL TO ALL WHO KNOW THE IMPORTANCE

OF INTERNATIONAL SUPPORT AND SOLIDARITY

Half of all born Eritreans now live in exile! As Eritreans in South Africa and elsewhere  scattered in the world, we appeal to the world community to assist us in returning our country to the family of nations that live by democracy enshrined in a constitution, the rule of law and a Bill of Rights that is upheld by elected rulers who accept debate and believe in the importance of a free press.

Our country today is little more than a giant prison run by a dictatorship, where education has been replaced with compulsory military service for any child over the age of 18 up to 40 for indefinite period, and is being used as slave labour.

Persecution and oppression leaves untold numbers of our compatriots in detention centres and jails, without ever having faced charges or the representation of a defence. Untold more are killed if they do not submit to the arbitrary rulers.

As if internal oppression is not enough, we want the world today to stand up about an even bigger crime that is committed against a people the world knows so little about. Many of our compatriots are made to flee their country and fall into the arms of human traffickers who seek ransom money from their families back in Eritrea, failing which they are killed and their body parts sold in a highly sophisticated operation. Through manipulation and through ignorance these refugees are lured into the Sinai desert where Bedouin gangs demand ransom money from parents or relations, via mobile phone. If they cannot raise the money and thus the right of passage to Israel or Egypt to apply for asylum, they are killed. The Bedouin gangs call on ultra-modern ambulances with trained crews in nearby places who then sell body parts all over the world.

This crime has to be exposed and it has to be stopped! We demand an end to the conspiracy of silence by those who fail to ask questions; questions about the origin of the body parts that get sold internationally.

People of South Africa: You know oppression, you know injustice, and you know how human rights were violated in your country. You may not stand bye while fellow Africans suffer in this way. BIG COMPANIES ARE NOW ENTERING ERITREA TO MINE FOR GOLD. This is morally reprehensible! The plight of the people of Eritrea cannot be shifted aside in order that SA companies make money there. To enter Eritrea now will condemn you to be entering a country in which extreme exploitation of people is possible because of the dictatorship that rule in Eritrea.

If, you, Mr. Speaker and Madam Minister of International Relations and Co-operation, and mining companies are not appraised of what is going on in our country, we urge you to  listen to us and to listen to what the United Nations  and the Human Rights Commission says. 

Lula Gebreyesus

On Behalf of

Concerned Eritreans in South Africa

Press Statement: EMDHR Holds Its 4th Congress

$
0
0

Press Statement

EMDHR Holds Its 4th Congress

The Eritrean Movement for Democracy and Human Rights (EMDHR) in South Africa held its 4th successful Congress on 17 February 2013 in Pretoria, South Africa. Members of the Movement travelled from around South Africa to participate in the Congress which was held in the wake of the historic movement by members of the Eritrean Defense Forces inside Eritrea who called for the implementation of the constitution, release of all prisoners, and the transfer of power to the Eritrean people- the theme of the Congress. It was with this renewed sprit that the membership represented from all chapters gathered to lend support to the forces of democratic change inside Eritrea and express their determination to seek for democratic change in Eritrea.

The Congress debated a report presented by the former Transitional Executive Committee in an open and transparent atmosphere. The report included the objective situation of our people who are suffering under a cruel system which does not recognize their basic rights and denied them justice. The report also discussed organizational matters extensively, among other issues. After an in-depth analysis of the challenges of the last few years, members expressed their resolve to renew their commitment to transform the EMDHR into an effective organization which can make a meaningful contribution in the struggle for democracy and freedom through its active non-violent principle. To this end, Congress made the necessary structural changes which are also reflected in the amended constitution of the Movement.

In the afternoon hours, Congress democratically elected seven-member of the Executive Committee (EC), three-member of Disciplinary Committee (DC), and an Audit Committee (AC). These structures are expected to strengthen the Movement by providing an effective, responsible, and accountable leadership. Moreover, congress decided to hold the next congress in two years while the General Council shall have all Congress powers to oversee all activities of the Movement between congresses. Before the Congress closed many members pledged substantial financial donations to help the EMDHR achieve its stated mission and objectives.

Finally, the Congress closed with the call upon all Eritreans and friends of the Eritrean people to make their urgently needed due contributions to bring about real democratic change in our country and end the misery of our people.

“Implement the constitution! Release all prisoners of conscience!  Transfer power to the people!”

EMDHR Congress

17 February 2013

Pretoria, South Africa

Voice of Assenna: Details of the EDF Movement (FORTO 2013)

ምስ ስርሒት ፎርቶ 2013 ዝተኣሳሰሩ ተወሰኽቲ ፍጻሜታት፡ ሚኒስተር ኣሕመድ ሓጅ ዓሊ ዳግም ተኣሲሩ፡ ኣቶ ምስጦፋ ኑርሕሸን ኣብ ማእሰርቲ ብሽኮርያ ይሳቐ

$
0
0

ሚኒስተር ጸዓትን ማዕድንን ኣሕመድ ሓጅ ዓሊ እንደገና ተኣሲሩ።

ሚኒስተር ጸዓትን ማዕድንን ኣሕመድ ሓጅ ዓሊ (ወዲ ሓጂ) ምስቲ ብ21 ጥሪ ኣብ ኣስመራ ዝተኻየደ ስርሒት ፎርቶ ብተኣሳሰረ ምኽንያት ዳግም ተኣሲሩ ከምዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም።

ሚኒስተር ኣሕመድ ሓጅ ዓሊ ኣብ ጽባሕ ናይቲ ብሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ዝተኻየደ ምንቅስቓስ ተኣሲሩ ኳ እንተነበረ ኣብ ሓጺር እዋን ተፈቲሑ ነይሩ።

ይኹንምበር ዋላ ካብ ማእሰርቲ ተፈቲሑ እንተነበረ፡ ኣብ ወግዓዊ ስራሓትን ኣኼባታትን ኣይተሳተፈን።                                                                                  ኣማሓዳሪ ዞባ ደቡብ ነበር ኣቶ ምስጦፋ ብሕማም ሽኮር ይሳቐ። 

ምስቲ ኣብ ኣስመራ ዝተኻየደ ምንቅስቓስ ብዝተኣሳሰረ ምኽንያት ኣብ ቤትማኣሰርቲ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ተሓይሩ ዘሎ ኣማሓዳሪ ዞባ ደቡብ ነበር ኣቶ ምስጦፋ ኑርሕሸን፡ ሕማም ሽኮርያ እናህለዎ ናይ ኢንሱሊን (መድሃኒት) ቀረብ ይረክብ ብዘይምህላዉ ኣብ ኣዝዩ ሕማቕ ኩነታት ከምዘሎ ተፈሊጡ።

ውልቀመላኺ ኢሳይያስ፡ ከም መተካእታ ኣቶ ምስጦፋ ኑርሕሸን  ኣማሓዳሪት ዞባ ደቡብ ንኽትከውን ፡ ንኣማሃዳሪት ከተማ ምጽዋዕ ፋና ተስፋማርያም ሓጽዩዋ ከምዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም።  

ፋና ተስፋማርያም ብዘይካ እምንቲ ኣገልጋሊት ኢሳይያስ ምዃና ዝኾነ ብቕዓትን ተመክሮን የብላን። ደረጃ ትምህርታ ውን ናይ መባእታ እዩ።

ንሳ ኣብ ግዜ ገድሊ ኣብ ብርጌድ 31 ኮምሽነር ጋንታ በጺሓ ዝነበረት ኮይና፡ ብድሕሪኡ ኣብ ክፍሊ ህዝቢ፡ 06 ኣብ ዝብሃል ኣሃዱ ትሰርሕ ነይራ። ቀጺላ ኣብ 72 (ስለያ) ክትሰርሕ ኳ እንተጀመረት ብቕዓት ስለዘይነበረ ናብ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ (ሃማድኤ) ተመዲባ። ኣማሓዳሪት ከተማ ባጽዕ ቅድሚ ምዃና፡ ኣማሃዳሪት ዞባ ዕዳጋ ሓሙስን ከባቢ ዩኒቨሲቲን ዝነበረት እያ።

ፋና ተስፋማርያም፡ ንብዓል ቤታ ምስ ጉጅለ 15 ይደናገጽን ይተሓባበርን እዩ ኢላ ስለዝሓሰወትሉ፡ ከምኡ’ውን  ኣብ ባጽዕ ናቫል በይዝ ኢሳይያስ ክፈርስ ንዝደልዮ ዝነበረ ክልተ ዓበይቲ ህንጻታት ብምፍጻም፡ ምእዙዝነታትን ተኣማንነነታን ንኢሳይያስ  ስለዘረጋገጸት እያ ከም ኣማሓዳሪት ዞባ ትሽየም ዘላ።

Viewing all 7726 articles
Browse latest View live


<script src="https://jsc.adskeeper.com/r/s/rssing.com.1596347.js" async> </script>