ብወልደየሱስ ዓንደማርያም እወ! ዘልኣለማዊት ሓጎስ እያ። ንርግጽነት ከም ዘላታ ከተንጻባርቕ እትኽእል ጽርይቲ መስትያት ስለዝኾነት። ከም ረሳሕ መስትያት ኣይትድልዝ ኣይትሓብእ፡ ኣይተጉድል ኣይትውስኽ። ፍቶ ጽላእ፡ እታ ዝነበረትን ዘላን ከምዚኣ እያ ስለእትብል፡ ንእሽቶ ጭራም ናይ ሓቅነት ዘልኣለማዊት ሓጎስ እያ። ኣበባን ፎዝያን ሂወትን፡ ንእሽቶን ሓያልን ጭራም እየን ኣቃሊሐን። ነቲ መሰረታዊ ጠንቂ ናይ ሽግርና ሓቢረን። … more
↧